19-25 ጥሪ
ኢሳይያስ 24-27
መዝሙር 159ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. “እዚ ኣምላኽና እዩ!”
(10 ደቒቕ)
የሆዋ፡ ኣምላኽና ብምዃኑ እንሕበነሉ ምኽንያታት ኣሎና (ኢሳ 25:9፣ cl 15 ¶21)
የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ዓቚሩልና ኣሎ፡ እንተላይ ኣኺሉ ዚተርፍ ጥዑም ምግቢ (ኢሳ 25:6፣ w24.12 6 ¶14)
ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበና እዩ (ኢሳ 25:7, 8፣ w25.01 28-29 ¶11-12)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት እዛ ሰሙን እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃበና ተስፋታት ንመን ክነግር እኽእል፧’
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ኢሳ 24:2—እዛ ፍቕዲ፡ ኣብቲ እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዝጐልሐት ብኸመይ እያ፧ (w15 15/12 17 ¶1-3)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ኢሳ 25:1-9 (th መጽናዕቲ 10)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። እቲ ሰብ ኣየናይ ርእሰ ነገር ከም ዚስሕቦ ፍለጥ። ንjw.org ወብሳይትና ድማ ኣፋልጦ። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 3)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ካብቲ ኣብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር፡ መመላእታ ጽሑፍ ሀ ዘሎ ሓንቲ ሓቂ ኣካፍል። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 4)
6. እምነትካ ምግላጽ
(5 ደቒቕ) መርኣያ። ijwbq ዓንቀጽ 160—ፍረ ነገር፦ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ስለምንታይ እዩ፧ (th መጽናዕቲ 3)
መዝሙር 144
7. ሕክምና ወይ መጥባሕቲ ንዜድልዮ ዅነታት ክትዳሎ ኸለኻ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ተጸጋዕ
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
የሆዋ “ነቶም ምሉእ ብምሉእ [ኣብኡ] ዚጽግዑ” ይሕልዎም እዩ። (ኢሳይያስ 26:3 ኣንብብ።) ንሕክምናዊ ዅነታት ክንዳሎ ኸለና፡ ንመሰናድዎታት የሆዋ ብምጥቃም፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ኸም እንጽጋዕ ከነርኢ ንኽእል ኢና።
ነታ ሕክምና ንዜድልዮ ዅነታት ተዳሊኻ ዲኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦
እንታይ ሰለስተ መሰናድዎታት እዩ ሕክምና ንዜድልዮ ዅነታት ክንዳሎ ዚሕግዘና፧
እቲ ሓበሬታ ሕክምና ዝሓዘ ሰነዳትa ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ እነዘራርበሉ ዝበለጸ ግዜ መዓስ እዩ፧
ብዛዕባ እዚ ፍቕራዊ መሰናድዎታት ከመይ ይስምዓካ፧
የሆዋ ኣብ ኢሳይያስ 26:3፡ “ቀጻሊ ሰላም” ከም ዚህበና ኣተስፍዩ ኣሎ፣ እዚ ማለት ግና ካብ ዜጋጥመና ጥዕናዊ ጸገማት ይከላኸለልና እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብፍቕራዊ መሰናድዎታት ውድቡ ኣቢሉ፡ ድሕንነት ከም ዚስምዓናን ኣብ ኣጸጋሚ ግዜያት ሰላም ከም እንረክብን ብምግባር እዩ ዚሕግዘና።
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 54-55
መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | ን ጸሎትን
a ንነፍሰ ጾር ኣዴታት ዚኸውን ሓበሬታ (S-401)፡ ሓበሬታ ነቶም መጥባሕቲ ወይ ኬሞተራፒ ኺግበረሎም ዜድልዮ ሕማም ዘለዎም ሰባት (S-407)፡ ከምኡ እውን ሕክምናዊ ኽንክን ዜድልዮ ውሉድ ንዘለዎም ወለዲ ዚኸውን ሓበሬታ (S-55)፡ እንተ ኣድልዩካ ኻብ ሽማግለታት ክትቕበል ትኽእል ኢኻ።