ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 ሕዳር ገጽ 14-15
  • 22-28 ታሕሳስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 22-28 ታሕሳስ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 ሕዳር ገጽ 14-15

22-28 ታሕሳስ

ኢሳይያስ 11–13

መዝሙር 14ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ መሲሕ እንታይ ተነብዩ ነይሩ፧

(10 ደቒቕ)

ብዳዊት ኣቢሉ ኻብ ዘርኢ እሰይ ከም ዚውለድ (ኢሳ 11:1፣ ip-1 159 ¶4-5)

መንፈስ ኣምላኽን ፍርሃት የሆዋን ከም ዚህልዎ (ኢሳ 11:2, 3ሀ፣ ip-1 159 ¶6፣ 160 ¶8)

ጻድቕን መሓርን ፈረዲ ኸም ዚኸውን (ኢሳ 11:3ለ-5፣ ip-1 160 ¶9፣ 161 ¶11)

እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ኣብ ሰማይ ይገዝእ፡ ኢዱ ድማ ናብታ ገነታዊት ምድሪ ይዝርግሕ።

ንምስትንታን ዚኸውን፦ የሱስ ካብ ኵሎም ሰብኣውያን መራሕቲ ዚበልጽ ብኸመይ እዩ፧

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ኢሳ 11:10—እዚ ትንቢት ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧ (ip-1 165-166 ¶16-18)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ኢሳ 11:1-12 (th መጽናዕቲ 11)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 5)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። እቲ ሰብ ንዘበገሶ ሕቶ jw.org ተጠቒምካ መልሰሉ። (lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 3)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣብ በቤት ኪሰብኽ ሓግዞ። (lmd ትምህርቲ 11 ነጥቢ 4)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 57

7. “ቅኑዕ ፍርዲ” ዲኻ እትፈርድ፧

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ክልተ ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎት ንሓደ ውቃጦ ዘለዎ ዜፍርህ ሰብኣይ ይምስክሩሉ። እቲ መንእሰይ ሓው “መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ የርእዮ፡ ኣብ ገዛ እቲ ሰብኣይ ድማ ናይ ሄቪ-ሜታል ፖስተር ይርአ።

መዓልቲ መዓልቲ ንፈርድ ኢና፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ብሃውሪ ኢና ንፈርድ። ብዝረኣናዮ ናይ ምፍራድ ዝንባለ ይህልወና ይኸውን። እቲ ኣብነትና ዝዀነ የሱስ ግና ካብዚ ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዚፈርድ። (ኢሳ 11:3, 4) የሱስ ንልቢ ሰባት ኪርኢ ይኽእል እዩ፡ ንሓሳባቶምን ድራኸታቶምን እውን ይፈልጦ እዩ። ንሕና ግና ከምዚ ዓይነት ክእለት የብልናን። እንተዀነ ግና፡ ንየሱስ ክንመስሎ ዚከኣለና ኽንገብር ንኽእል ኢና። የሱስ “ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ደጊም ደጋዊ ትርኢት ርኢኹም ኣይትፍረዱ” ኢሉ ኣሎ።—ዮሃ 7:24።

ንሰባት በቲ እንርእዮ ንፈርዶም እንተ ደኣ ዄንና፡ ኣብ ኣገልግሎት ንዘሎና ቕንኣትን ውጽኢታውነት ኪዓግቶ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ደቂ ሓደ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ኣብ ዚነብሩሉ ኸባቢ ምስባኽ ድሕር ምሕር ንብል ዲና፧ ኣብቲ ሃብታማት ወይ ድኻታት ዚነብሩሉ ቦታኸ፧ ንሓደ ሰብ ብትርኢቱ ተመስሪትና ተገዳስነት ከም ዘይብሉ ንድምድም ዲና፧ ፍቓድ ኣምላኽ፡ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ።”—1ጢሞ 2:4።

ነታ ኻብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ ትምህርትታት—ብደጋዊ ትርኢት ኣይትፍረድ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ኣብዛ ቪድዮ እንታይ ዓይነት ኣድልዎ እዩ ተጠቒሱ፧

  • እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብ ጉባኤ እንታይ ዓይነት ኣሉታዊ ጽልዋ እዩ ኼሕድር ዚኽእል፧

  • እቶም ቃለ መጠይቕ እተገብረሎም ክርስትያናት ብደጋዊ ትርኢት ከይፈርዱ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

  • ካብ ዓንቀጽ ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ ትምህርቲ ኢኻ ትርከብ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 46-47

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 12ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ