ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 ሕዳር ገጽ 12-13
  • 15-21 ታሕሳስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 15-21 ታሕሳስ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 ሕዳር ገጽ 12-13

15-21 ታሕሳስ

ኢሳይያስ 9–10

መዝሙር 77ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ብትንቢት እተነግረ “ዓብዪ ብርሃን”

(10 ደቒቕ)

ኣብ ገሊላ “ዓብዪ ብርሃን” ኪርአ እዩ (ኢሳ 9:1, 2፣ ማቴ 4:12-16፣ ip-1 125-126 ¶16-17)

እቶም ነቲ ዓብዪ ብርሃን ምላሽ ዚህቡ ህዝቢ ኺስስኑ፡ ነበርታ ድማ ኪሕጐሱ እዮም (ኢሳ 9:3፣ ip-1 126-128 ¶18-19)

ውጽኢት እቲ ዓብዩ ብርሃን ነባሪ እዩ (ኢሳ 9:4, 5፣ ip-1 128-129 ¶20-21)

የሱስን ሓደ ወደ መዝሙርን ንሓደ ሰብኣይን ወዱን ኣብ ቤቶም ይምስክሩሎም። ሓንቲ ዕትሮ ኣብ መንኵባ እተሰከመት ሰበይቲ ብጥቓኦም ክትሓልፍ ከላ ነቲ ምይይጦም ትሰምዖ።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ኢሳ 9:6—የሱስ “ግሩም መኻሪ” ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ip-1 130 ¶23-24)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ኢሳ 10:1-14 (th መጽናዕቲ 11)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። እቲ ሰብ ክርስትያን ኣይኰነን። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 4)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ኣብ ዝሓለፈ ትራክት ምስ ዘበርከትካሉ ምይይጥካ ቐጽል። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)

6. እምነትካ ምግላጽ

(5 ደቒቕ) መርኣያ። ijwfq ዓንቀጽ 35—ፍረ ነገር፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ እምነቶም ኬሰማምዕዎ ኢሎም ቀይሮምዎ ድዮም፧ (th መጽናዕቲ 12)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 95

7. እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ

(5 ደቒቕ) ምይይጥ።

ባና ጸሓይ ኣብ ልዕሊ ብጽዑቕ ግመ እተሸፈነ ዱር የንጸባርቕ።

ውድብ የሆዋ ንቅድሚት ትግስግስ ኣላ። ንስኻኸ ማዕረ ማዕሪኣዶ ትኸይድ ኣለኻ፧ ውድብ የሆዋ እትግስግሰሉ ዘላ ሰለስተ መዳያትን ጥቕሙን እስከ ንርአ።

  • በብቍሩብ ዝበርሀ መንፈሳዊ ብርሃንን ዘምጽኣልካ በረኸትን ጽሓፍ።—ምሳ 4:18

  • ኣገልግሎትና ኸነመሓይሽ ወይ ከነስፍሕ እተገብረ ምትዕርራያትን እዚ ነቲ የሱስ ዝሃበና ዕዮ ኽንፍጽም ዝሓገዘና ብኸመይ ምዃኑን ጽሓፍ።—ማቴ 28:19, 20

  • ሓደ ውድባዊ ምትዕርራይን ካብኡ እንታይ ጥቕሚ ኸም ዝረኸብካን ጽሓፍ።—ኢሳ 60:17

8. ንታሕሳስ እተዳለወት ውድባዊ ዕማማት

(10 ደቒቕ) ነታ ቪድዮ ወልዓያ።

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) lfb መእተዊ 8ይ ክፋል ከምኡ እውን ትምህርቲ 44-45

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 92ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ