8-14 ታሕሳስ
ኢሳይያስ 6–8
መዝሙር 75ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. “እነኹ፡ ልኣኸኒ!”
(10 ደቒቕ)
ኢሳይያስ ድሕር ምሕር ከይበለ ኣፈኛ ኣምላኽ ክኸውን ፍቓደኛ ዀነ (ኢሳ 6:8፣ ip-1 93-94 ¶13-14)
ኢሳይያስ እተዋህቦ ዕዮ በዳሂ እዩ ነይሩ (ኢሳ 6:9, 10፣ ip-1 95 ¶15-16)
እቲ ኢሳይያስ ክንበ ኸሎ ዘጋጠሞ፡ ጽላሎት እቲ ንየሱስ ዜጋጥሞ እዩ (ማቴ 13:13-15፣ ip-1 99 ¶23)
ንምስትንታን ዚኸውን፦ ናይ ፍቓደኛነት መንፈስ ብዝያዳ ኸርኢ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ኢሳ 7:3, 4—የሆዋ ነቲ እኩይ ዝነበረ ንጉስ ኣሓዝ ዘድሓኖ ስለምንታይ እዩ፧ (w06 1/12 9 ¶4)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ኢሳ 8:1-13 (th መጽናዕቲ 5)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ካብቲ ኣብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር፡ መመላእታ ጽሑፍ ሀ ዘሎ ሓንቲ ሓቂ ኣካፍል። (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 5)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)
6. ንግዱሳት ምክትታል
(5 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ ኣርኢ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 5)
መዝሙር 83
7. መለለዪና ዝዀነ ኣብ በቤት ዚግበር ስብከት
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም የሱስን ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ኣብ በቤት ብምስባኽ እዮም ዚፍለጡ።—ሉቃ 10:5፣ ግብ 5:42።
ልክዕ እዩ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ በቤት ምስባኽ ደው ኢሉ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ብስራት ንምስባኽ ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነት፡ ኣብ ምስክርነት ደብዳበ፡ ኣብ ምስክርነት ተሌፎን ኣተኲርና ኔርና። ምስ እዚ ውጽኢታዊ ዝዀነ ሜላ ስብከት ዝያዳ ኽንፋለጥ ኣጋጣሚ ስለ ዝፈጠረልና ሕጉሳት ኢና! እቲ ብስራት ክንሰብኽ እንጥቀመሉ ቐንዲ መገዲ ግና ኣብ በቤት ዚግበር ምስክርነት እዩ። ኣብ በቤት ኣብ ዚግበር ምስክርነት ብስሩዕ ትሳተፍ ኣለኻ ዲኻ፧
ኣብ በቤት ዚግበር ምስክርነት ነቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኽንገብር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
ንኽልና ምሉእ ብምሉእ ንምሽፋን
ከም ትብዓትን ኣድልዎ ዘይምግባርን ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእን ዝኣመሰለ ባህርያት ከነማዕብልን ክእለት ኣመሃህራና ኸነመሓይሽን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር
ነታ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ክሊማ ስበኽ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ካብቶም ኣብ ደሴታት ፋሮ ዚነብሩ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ወንጌላውያን እንታይ ተማሂርካ፧
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 42-43