ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 ሕዳር ገጽ 8
  • 24-30 ሕዳር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 24-30 ሕዳር
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 ሕዳር ገጽ 8

24-30 ሕዳር

ኢሳይያስ 1-2

መዝሙር 44ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ነቶም “ስሕተት ዝኸበዶም” ዚኸውን ተስፋ

(10 ደቒቕ)

[መእተዊ ኢሳይያስ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዕ።]

ህዝቢ ኣምላኽ፡ ‘ስሕተት ከቢድዎም’ ነይሩ (ኢሳ 1:4-6፣ ip-1 14 ¶8)

እንተ ዚንስሑ ነይሮም፡ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ኺብለሎም ፍቓደኛ እዩ ነይሩ (ኢሳ 1:18፣ ip-1 28-29 ¶15-17)

ጻዕዳ ጸምሪ ኣብ ጥቓ ቐይሕ ምንጻፍ።

ንምስትንታን ዚኸውን፦ እቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ካብ ምኽባዱ እተለዓለ ይቕረ ኸም ዘይብሃል ዚስምዓና እንተ ዀይኑ፡ እቲ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦ ኣብ ኢሳይያስ 1:18 ዚርከብ ዕድመ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ኢሳ 2: 2—“ከረን ቤት የሆዋ” ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ip-1 39 ¶9)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ኢሳ 2:1-11 (th መጽናዕቲ 11)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ካብቲ ኣብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር፡ መመላእታ ጽሑፍ ሀ ዘሎ ሓንቲ ሓቂ ኣካፍል። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ እቲ ተመሊስካ ኸተመያይጦ ዝሓሰብካዮ ርእሰ ነገር ዘይኰነስ፡ ካልእ ከም ዜገድሶ ይነግረካ። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 4)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) ijwbq ዓንቀጽ 96—ፍረ ነገር፦ ሓጢኣት እንታይ እዩ፧ (th መጽናዕቲ 20)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 38

7. ዓርኪ የሆዋ ኹን—የሆዋ ይቕረ ይብል

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ኣቐዲምካ ንዝሓረኻዮም ቈልዑ (እንተ ኣልዮም) ናብ መድረኽ ዓዲምካ፡ ብዛዕባ እታ ቪድዮን ካብኣ እንታይ ትምህርቲ ኸም ዝረኸቡን ሕተቶም።

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 38፡ መእተዊ 7ይ ክፋል፡ ከምኡ እውን ትምህርቲ 39

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 89ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ