17-23 ሕዳር
መሃልየ መሃልይ 6–8
መዝሙር 34ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ማዕጾ ዘይኰነስ፡ መንደቕ ኩን
(10 ደቒቕ)
ኣሕዋት እታ ሹላማዊት ጓል ንጽህናኣ ኽትሕሉ ይደልይዋ ነይሮም (መሃ 8:8, 9፣ it “መሃልየ መሃልይ” ¶11)
ንዘይስነ ምግባራዊ ፈተናታት ብዓወት ስለ እተዋጽኣትሉ ሰላም ረኺባ እያ (መሃ 8:10፣ yp 188 ¶2)
በዚ መዳይ እዚ ንመንእሰያት ጽቡቕ ኣብነት ትኸውን እያ (yp2 33)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ኣብ ጉባኤይ ንዘለዉ ንጽል ክርስትያናት ማዕጾ ዘይኰነስ፡ መንደቕ ኪዀኑ ኽሕግዞም ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
መሃ 8:6—ናይ ሓቂ ፍቕሪ፡ “ሃልሃልታ ያህ” እተባህለት ስለምንታይ እያ፧ (w15 15/1 29 ¶3)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) መሃ 7:1-13 (th መጽናዕቲ 12)
4. ዝርርብ ምጅማር
(2 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ኣድራሻ ካርድ jw.org ተጠቒምካ ዝርርብ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 4)
5. ዝርርብ ምጅማር
(2 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ኣብ ንግዳዊ ቦታታት ትራክት ተጠቒምካ ዝርርብ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 4)
6. ዝርርብ ምጅማር
(2 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ምስክርነት ቅድሚ ምሃብካ ደው ክብል ዚኽእል ጽቡቕ ምይይጥ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 4)
7. እምነትካ ምግላጽ
(5 ደቒቕ) መርኣያ። ijwfq ዓንቀጽ 43—ፍረ ነገር፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓርኪ ብዛዕባ ምሓዝ ሕግታት ኣለዎም ድዩ፧ (th መጽናዕቲ 7)
መዝሙር 121
8. ካብ ምንዝርና ህደም
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ኣብ መጽሓፍ መሃልየ መሃልይ እቲ ጓሳ ነታ ሹላማዊት ፍቕሩ እናገለጸላ ምስኡ ኽትከይድ ዓዲምዋ። (መሃ 2:10-14) እቲ ጓሳ ብቕኑዕ ድራኸ እኳ እንተ ዓደማ፡ እቶም ጥበበኛታት ዝነበሩ ኣሕዋት እታ ሹላማዊት ግና፡ ናብዚ ዕድመ ምእንቲ ኸይትኸይድ ካልእ ዕዮ ሂቦምዋ እዮም። (መሃ 2:15) ምስቲ እተፍቅሮ በይና ምዃና ናብ ፈተና ኸም ዜእትዋ ተረዲእዎም ነይሩ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያናት ‘ካብ ምንዝርና ኺሃድሙ’ ምኽሪ ይህብ እዩ። (1ቈረ 6:18) ናብ ኣበሳ ኺመርሓና ኻብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ ኽንርሕቕ ኣሎና። እቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ንመሃልየ መሃልይ ዝጸሓፋ እውን “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣ ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ ይጕድኡ” ኢሉ ኣሎ።—ምሳ 22:3።
ነታ ኣምላኽ “ምስጢራት ልቢ ይፈልጥ እዩ” ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ካብዛ ድራማዊት ቪድዮ እንታይ ተማሂርካ፧
9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 36-37