ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 ሕዳር ገጽ 4-5
  • 10-16 ሕዳር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 10-16 ሕዳር
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 ሕዳር ገጽ 4-5

10-16 ሕዳር

መሃልየ መሃልይ 3–5

መዝሙር 31ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ኣገዳስነት ውሽጣዊ ጽባቐ

(10 ደቒቕ)

ዘረባ እታ ሹላማዊት ንውሽጣዊ ጽባቐኣ ዜርኢ እዩ ነይሩ (መሃ 4:3, 11፣ w15 15/1 30 ¶8)

ስነ ምግባራዊ ንጽህናኣ ምስ ውቁብ ስፍራ ኣታኽልቲ ተመሳሲሉ ኣሎ (መሃ 4:12፣ w00 1/11 11 ¶17)

ውሽጣዊ ጽባቐ ኻብ ደጋዊ ጽባቐ ኣዝዩ ዚበልጽ እዩ (g04 12/22 9 ¶2-5)

ስእልታት፦ 1. ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ኻብኣ ብዕድመ ዝነኣሰት እተጨነቐት ሓብቲ ብፍቕሪ ተጸናንዓ። 2. ክልተ ኣሕዋት ብሓባር ኬገልግሉ ኸለዉ፡ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ሓው ነቲ ዓብዪ ሓው ተሓጒሱ ይድግፎ።

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ብዝያዳ ዘድንቖ መንፈሳዊ ባህርያት ኣየናይ እዩ፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መሃ 3:5—እተን “ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ብሰስሓን ብእራብ መሮርን” ከም ዚምሕላ እተገብራ ስለምንታይ እየን፧ (w06 15/11 18 ¶4)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መሃ 4:1-16 (th መጽናዕቲ 2)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ብቐጥታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምር ዓድሞ። (lmd ትምህርቲ 6 ነጥቢ 4)

5. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ነቲ ሰብ ካብ jw.org ብቛንቋኡ ብኸመይ ሓበሬታ ኸም ዚረክብ ኣርእዮ። (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 3)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) ijwbq ዓንቀጽ 131—ፍረ ነገር፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጸባበቕን ስልማትን እንታይ ይብል፧ (th ትምህርቲ 1)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 36

7. ብጐይታ ጥራይ ምምርዓው (ዘፍ 28:2)

(8 ደቒቕ)

ነታ ቪድዮ ወልዓያ።

8. ንፉዕ መጻምድቲ ኽትከውን ትኽእልዶ፧

(7 ደቒቕ) ምይይጥ።

ክትምርዖ እትደሊ ዲኻ፧ ኪምርዓዉ ዚደልዩ ክርስትያናት ኪዕዘቡኻ ኸለዉ ኣባኻ ጽቡቕ መንፈሳዊ ባህርያት ይርእዩ ድዮም፧ ሓደ ሰብ መንፈሳዊ መሲሉ ዚርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግና ውሽጣዊ እንታይነቱ ምቕላዑ ኣይተርፍን እዩ።

ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣውቶቡስ ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ተንሲኣ ኾፍ ተብላ።
ሓደ ኣብ ናይ ህንጸት ቦታ ዚዓዪ ሓው ንመሳርሕቱ ትራክት የበርክተሉ።
ክልተ ኣሕዋትን ክልተ ኣሓትን ኣብ ኣገልግሎት ብሓባር ይዓዩ። እቲ ሓደ ሓው ብለውሃት ነተን ኣሓት ኣበይ ኪሰብካ ኸም ዚኽእላ ይሕብረን።

ምስቲ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ መንፈሳዊ ሰብ ዜርእዮ ባህርያት ዚዛመድ ጥቕሲ ጽሓፍ።

  • ፍቕሪ ንየሆዋ፡ ኣብኡ ምእማን

  • ክእለት ርእሲ ስድራ ቤት ወይ ተገዛእነት

  • ትሕትና፡ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ

  • ምምዝዛን፡ ሚዛን ምሕላው፡ ልዙብነት

  • ትግሃት፡ ጻዕሪ

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 34-35

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 44ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ