ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 ሕዳር ገጽ 2-3
  • 3-9 ሕዳር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 3-9 ሕዳር
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 ሕዳር ገጽ 2-3

3-9 ሕዳር

መሃልየ መሃልይ 1–2

መዝሙር 132ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ዛንታ ናይ ሓቂ ፍቕሪ

(10 ደቒቕ)

[መእተዊ መሃልየ መሃልይ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዕ።]

ሰሎሞን ነታ ሹላማዊት ብዙሕ ወዲስዋን ስጋዊ ሃብቲ ኣቕሪቡላን (መሃ 1:9-11)

እታ ሹላማዊት ነቲ ጓሳ ዝነበራ ናይ ሓቂ ፍቕሪ እምንቲ ኽትከውን ሓጊዝዋ (መሃ 2:16, 17፣ w15 15/1 30 ¶9-10)

እታ ሹላማዊት ጓል ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ናብ ድንኳኑ ኽትኣቱ ዜቕረበላ ዕድመ ኢዳ ኣጣሚራ ዝባና ሂባ ትኣቢ። ሰለስተ ኣገልገልቲ ሰሎሞን ድማ ዓለባን ገበራን ኳዳን ሒዞም ኣብ ቅድሚ ድንኳኑ ደው ኢሎም።

ምኽሪ፦ ንመሃልየ መሃልይ ከተንብብ ከለኻ፡ መን ይዛረብ ከም ዘሎ ንምርዳእ ነቲ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዘሎ “ትሕዝቶ” ተጠቐመሉ።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መሃ 2:7—እታ ሹላማዊት ንዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ጽቡቕ ኣብነት እትዀኖም ስለምንታይ እያ፧ (w15 15/1 31 ¶11)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መሃ 2:1-17 (th መጽናዕቲ 12)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ካብቲ ኣብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር፡ መመላእታ ጽሑፍ ሀ ዘሎ ሓንቲ ሓቂ ኣካፍል። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ካብቲ ኣብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር፡ መመላእታ ጽሑፍ ሀ ዘሎ ሓንቲ ሓቂ ኣካፍል። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 18 መእተውን ነጥቢ 1-3ን (th መጽናዕቲ 8)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 46

7. “ለጋስ ይባረኽ”

(15 ደቒቕ) ብሽማግለ ዚግበር ምይይጥ።

ግዜናን ጥሪትናን ምስ እንልግስ ንባረኽ ኢና። ልክዕ እዩ፡ ሓደ ኣመስጋኒ ዝዀነ ተቐባሊ ንውህበትና ኸም በረኸት እዩ ዚርእዮ። እንተዀነ ግና፡ እቲ ዚልግስ ሰብ እውን ይባረኽ እዩ። (ምሳ 22:9) ሓጐስ ዚረክብ፡ ንፈጣሪኡ ስለ ዚመስል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስምረት የሆዋ እውን ስለ ዚረክብ እዩ።—ምሳ 19:17፣ ያእ 1:17።

ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ኣብ ውጽኢት ሳጹን ወፈያ ትገብር።
ሓደ ሰብኣያ ብኢንተርነት ወርሓዊ ወፈያ ንምግባር ነቲ መሳርዕ የተዓራሪ።

ነታ ልግሲ የሐጕስ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝገበርዎ ልግሲ፡ ነዞም ኣብዛ ቪድዮ ዘለዉ ኣሕዋት ዘሐጐሶም ብኸመይ እዩ፧

  • ንሳቶምከ ንኻልኦት ብምልጋሶም እተሓጐሱ ብኸመይ እዮም፧

ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ኢንተርነት እውን ርአ

ሳንቲም ዝሓዘት ኢድ፡ እተርኢ ምልክት “ወፈያ”።

ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምድጋፍ፡ ብፍታው ወፈያ ኽትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነቲ ኣብ ቀንዲ ገጽ ኣፕሊኬሽን JW Library® ኣብ ታሕቲ ዚርከብ “ወፈያታት” ዚብል ሊንክ ጠውቕ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ወፈያ—ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት ናብ ዚብል ሰነድ ዚወስድ “ሕቶታት” ዚብል ሊንክ ኣሎ።

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 32-33

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 137ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ