20-26 ጥቅምቲ
መክብብ 9–10
መዝሙር 30ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ብዛዕባ ፈተናታትካ ግቡእ ኣርኣእያ ይሃሉኻ
(10 ደቒቕ)
ፈተናታት ስምረት የሆዋ ኸም ዝሰኣና ዝሕብር ከም ዘይኰነ ንፈልጥ ኢና (መክ 9:11፣ w13 15/8 14 ¶20-21)
ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ፍትሓዊ ህይወት ኣይንጽበን ኢና (መክ 10:7፣ w19.09 5 ¶10)
ፈተናታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ነቲ የሆዋ ዝሃበና ሰናይ ነገራት ከነስተማቕሮ ግዜ ኽንምድብ ኣሎና (መክ 9:7, 10፣ w11 15/10 8 ¶1-2)
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
መክ 10:12-14—እዘን ፍቕድታት ብዛዕባ ሕሜት እንታይ መጠንቀቕታ ዝሓዛ እየን፧ (it “ወረ፡ ሕሜት” ¶4, 8)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) መክ 10:1-20 (th መጽናዕቲ 11)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ምስ ዝጐሃየ ዚመስል ሰብ ዝርርብ ጀምር። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 4)
5. ዝርርብ ምጅማር
(4 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ካብቲ ኣብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር፡ ኣብ ትሕቲ መመላእታ ጽሑፍ ሀ ዘሎ “ናብ ሰባት ከነብጽሖ እንደሊ ሓቅታት” ዘርእስቱ ንሓደ ብዛዕባ ቝጠባዊ ዅነታት ዜተሓሳስቦ ሰብ ሓንቲ ሓሳብ ኣካፍሎ። (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 4)
6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር
(5 ደቒቕ) lff ጽማቝ፡ ክለሳ፡ ሸቶ ትምህርቲ 17። (lmd ትምህርቲ 12 ነጥቢ 3)
መዝሙር 47
7. ዜሕዝን ነገር ኬጋጥመካ ኸሎ ህዳእ
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
መዓልታዊ እተፈላለየ ፈተናታትን ጸገማትን የጋጥም እዩ። ገሊኡ ጸገማት ግና ሃንደበታውን ተስፋ ዜቝርጽን እዩ፣ እዚ ኸኣ ብስምዒታዊ ብኣካላዊ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ኪጐድኣና ይኽእል እዩ። ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ክንሃድእ ንኽእል፧
ዘጋጠመ ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠመና የሆዋ ዅሉ ግዜ ‘ርግኣት ግዜያትና’ እዩ። (ኢሳ 33:6) ኣብ የሆዋ ንምውካል ትሑታትን ሚዛናውያንን ክንከውን የድልየና። (ምሳ 11:2) ዜሕዝን ኵነታት እንተ ኣጋጢሙና፡ ንርእስና ዀነ ንኻልኦት ምእንቲ ኽንከናኸን፡ ጥበባዊ ውሳነ ምእንቲ ኽንገብር፡ ወይ ምስ ርእስና ምእንቲ ኽንላዘብ እኹል ግዜ ንመድብ።—መክ 4:6።
የሆዋ፡ ኣምለኽቱ ንሓድሕዶም ኪበረታትዑ ዚደልዮም ካብ ኰነ፡ ንሕና እውን ሓገዝ ንምቕባል ወይ ንምሕታት ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። ክርስትያናት ብጾትካ ኣዝዮም ከም ዚፈትዉኻን ባህ ኢልዎም ከም ዚድግፉኻን ዘክር።
2 ቈረንቶስ 4:7-9 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
መንፈሳዊ ልማድካ ዓቂብካ ኽትመላለስ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ልማድካ ንምዕቃብ ዚከኣለካ ኽትገብር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
ነታ የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦
ሓውና ጌሪን ሓብትና ቤትን የሆዋ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧
ክርስትያናት ብጾቶም ዝሓገዝዎም ብኸመይ እዮም፧
ካብ ኣብነቶም እንታይ ካልእ ነገር ተማሂርካ፧
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 28፡ መእተዊ 6ይ ክፋል፡ ከምኡ እውን ትምህርቲ 29