ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 መስከረም ገጽ 12-13
  • 13-19 ጥቅምቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 13-19 ጥቅምቲ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 መስከረም ገጽ 12-13

13-19 ጥቅምቲ

መክብብ 7–8

መዝሙር 39ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. “ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ”

(10 ደቒቕ)

ንዝሓዘኑ ንምጽንናዕ ግዜ መድብ (መክ 7:2፣ it “ሓዘን” ¶9)

ነቲ ዝሓዘነ ሰብ ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ባህርያት ናይቲ ዝሞተ ሰብ ብምጥቃስ ኣጸናንዓዮ (መክ 7:1፣ w19.06 23 ¶15)

ምስቲ ዝሓዘነ ሰብ ጸሊ (w17.07 15 ¶16)

ሰብ ሓዳር ንሓደ ሰበይቱ ዝሞተቶ ሓው ይበጽሕዎ። ምስኣ ዘሕለፍዎ ባህ ዜብል ግዜ ብስእሊ የርእይዎ።

ዘክር፦ ሓዘንተኛታት ሰቦም ምስ ሞቶም ድሕሪ ግዜ እውን ከይተረፈ ካብ ክርስትያናት ብጾቶም ቀጻሊ ደገፍ የደልዮም እዩ።—w17.07 16 ¶17-19።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መክ 7:20-22—እዘን ፍቕድታት ንሓደ ቕር ዘበለና ሰብ ክንዛረቦ፡ ወይ ስቕ ክንብል ክንውስን ዚሕግዛና ብኸመይ እየን፧ (w23.03 31 ¶18)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መክ 8:1-13 (th መጽናዕቲ 10)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(2 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። እቲ ሰብ ኣየናይ ርእሰ ነገር ከም ዚስሕቦ ፍለጥ፡ ተኸታተሎ እውን። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 4)

5. ዝርርብ ምጅማር

(2 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 3)

6. ንግዱሳት ምክትታል

(2 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ንjw.org ወብሳይትና ኣፋልጥ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 4)

7. እምነትካ ምግላጽ

(5 ደቒቕ) መርኣያ። ijwfq ዓንቀጽ 50—ፍረ ነገር፦ ስርዓተ ቐብሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ (th መጽናዕቲ 17)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 151

8. ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ድልዱል እምነት ይሃሉኻ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

“ድልድልቲ እምነት ንዘላተን ደቂ ኣንስትዮ ምሰለን!—ማርታ” ኻብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ማርታን ማርያምን ነቲ ዝተንስአ ኣልኣዛር ብሓጐስ ይቕበላኦ።

ተስፋ ትንሳኤ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ዝሃበና ውህበት እዩ። እዚ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ማለት ብዛዕባ ሓይሉ፡ ጥበቡ፡ ምሕረቱ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ብብሕቲ ኸም ዜፍቅረና እዩ ዚምህረና።—ዮሃ 3:16።

ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ድልዱል እምነት እንተ ኣልዩና፡ ክንዮ ጸገማትና ኣማዕዲና ኽንርኢ ንኽእል ኢና። (2ቈረ 4:16-18) ብዘይካዚ፡ መስጐጕቲ፡ ሕማም ወይ ሞት እንፈትዎ ሰብና ኼጋጥመና ኸሎ ብዙሕ ሰላምን ምጽንናዕን ንረክብ ኢና። (1ተሰ 4:13) ኣብ ተስፋ ትንሳኤ እምነት እንተ ዘይብልና ግና፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪህልወና ኣይክእልን እዩ። (1ቈረ 15:19) ኣብዚ ዜደንቕ ተስፋ ዘሎካ እምነት ንምድልዳል ሸቶኻ ኽትገብሮ ትኽእልዶ፧

ዮሃንስ 11:21-24 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ማርታ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ድልዱል እምነት ከም ዘለዋ ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

  • ስለቲ እምነታ እንታይ ዓስቢ ረኺባ፧—ዮሃ 11:38-44

ነታ ድልድልቲ እምነት ንዘላተን ደቂ ኣንስትዮ ምሰለን!—ማርታ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ተስፋ ትንሳኤ ንዓኻ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ንዘሎካ እምነት ንምድልዳል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 26-27

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 124ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ