ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 ግንቦት ገጽ 12-13
  • 16-22 ሰነ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 16-22 ሰነ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 ግንቦት ገጽ 12-13

16-22 ሰነ

ምሳሌ 18

መዝሙር 90ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ናይ ጥዕና ጸገም ንዘለዎም ኣተባብዓዮም

(10 ደቒቕ)

ዘረባኻ ኣምላኻዊ ጥበብ ዜንጸባርቕ ይኹን (ምሳ 18:4፣ w22.10 22 ¶17)

እቲ ሰብ ምስ ምንታይ ይቃለስ ከም ዘሎ ኽትርዳእ ጽዓር (ምሳ 18:13፣ mrt ዓንቀጽ 19 ሳጹን)

እትሕግዝን ዕጉስን ዓርኪ ኹን (ምሳ 18:24፣ wp23.1 14 ¶3–15 ¶1)

ሓደ ሰብኣይ ሰበይቱ ስምዒታ ኽትገልጸሉ ኸላ፡ ብድንጋጽ ይሰምዓ።

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘መጻምድተይ ምስ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ጥዕና ይቃለስ እንተ ኣልዩ፡ ንምሕጋዙ እንታይ ኪገብር እኽእል፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ምሳ 18:18—ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዕጫ ዚጥቀሙ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ (it-2 271-272)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ምሳ 18:1-17 (th መጽናዕቲ 11)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(1 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ካልእ ቋንቋ እዩ ዚዛረብ። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 5)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። እቲ ሰብ ኣሕጽር ኣቢልካ ኽትነግሮ ይሓትተካ። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 4)

6. ንግዱሳት ምክትታል

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ነቲ ሰብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሓቂ ምሃሮ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 5)

7. እምነትካ ምግላጽ

(4 ደቒቕ) መርኣያ። ijwfq ዓንቀጽ 29—ፍረ ነገር፦ ኵሉ ፍጥረት ቃል ብቓሉ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸም እተፈጥረ ዲኻ እትኣምን፧ (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 5)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 144

8. ሰብካ ናብ የሆዋ ምእንቲ ኪቐርብ “ብዘይ ቃል” ሓግዞ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

መብዛሕትና ንየሆዋ ዜገልግሎ ዝነበረ ሰብ ንፈልጥ ኢና፣ ምናልባት እዚ ኻብ ጉባኤ ዝረሓቐ ሰብ እዚ፡ መጻምድትና ወይ ውሉድና ወይ ፈታዊና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ኼገልግል ኣገዲድናዮ ወይ ጸቕጢ ጌርናሉ ንፈልጥዶ፧ ድራኸና ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ቃላትና ግና ነቲ ነገር ኬጋድዶ ይኽእል እዩ። (ምሳ 12:18) እሞ ደኣ፡ ብዝሓሸ መገዲ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧

ቀዳማይ ጴጥሮስ 3:1፡ ዘይኣመንቲ ሰብኡት ‘ብዘይ ቃል ከም ዚማረኹ’ ትገልጽ እያ። ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ሰብኣያ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመያየጥ ዘይደሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኺፈልጥ ግና ክትሕግዞ ትኽእል እያ። ኣምላኻዊ ጥበብ ዜንጸባርቕ፡ ከም ፍቕሪ፡ ለውሃት፡ ጥበብ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያታ ንልቡ ኼለስልሶ ይኽእል እዩ። (ምሳ 16:23) ባህርያትናን ለውሃትናን፡ ንየሆዋ ምግልጋል ደው ንዘበለ ሰብና ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድረሉ ይኽእል እዩ።—w10 15/6 20-21 ¶4-6

ነታ ዕዉታት ተጋደልቲ እምነት—ዘይኣመንቲ መጻምድቲ ዘለዎም ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

    “ዕዉታት ተጋደልቲ እምነት—ዘይኣመንቲ መጻምድቲ ዘለዎም” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓብትና ሄደኮ ሳሶኪ።
  • ካብ ተመክሮ ሓብትና ሳሶኪ እንታይ ተማሂርካ፧

  • “ዕዉታት ተጋደልቲ እምነት—ዘይኣመንቲ መጻምድቲ ዘለዎም” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓብትና ኖሪኮ ኢቶ።
  • ካብ ተመክሮ ሓብትና ኢቶ እንታይ ተማሂርካ፧

  • “ዕዉታት ተጋደልቲ እምነት—ዘይኣመንቲ መጻምድቲ ዘለዎም” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓብትና ቶማዮ ኦካዳ።
  • ካብ ተመክሮ ሓብትና ኦካዳ እንታይ ተማሂርካ፧

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 27 ¶23-26፡ ኣብ ገጽ 214, 217 ዘሎ ሳጹናት

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 60ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ