9-15 ሰነ
ምሳሌ 17
መዝሙር 157ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
እስራኤላውያን ሰብ ሓዳር ኣብ ሰላማዊ ሃዋህው ቀሊል ምግቢ ይበልዑ
1. ሰላማዊ ሓዳር ይሃሉኻ
(10 ደቒቕ)
ሰላም ምስፋን ጽዓሪ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ ዓስቢ ግና ኣለዎ (ምሳ 17:1፣ ኣብ ዘላ ስእሊ ርአ)
ንቐሊል ነገራት ኣኽቢድካ ኣይትርኣዮ (ምሳ 17:9፣ g 9/14 11 ¶2)
ስምዒትካ ተቘጻጸር (ምሳ 17:14፣ w08 1/5 10 ¶6–11 ¶1)
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ምሳ 17:24—“ኣዒንቲ ዓያሹ ግና ናብ ወሰናት ምድሪ የብላ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (it-1 790 ¶2)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ምሳ 17:1-17 (th መጽናዕቲ 10)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 5)
5. ዝርርብ ምጅማር
(4 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 6 ነጥቢ 4)
6. መደረ
(5 ደቒቕ) ijwbv ዓንቀጽ 60—ፍረ ነገር፦ ትርጉም ምሳሌ 17:17 እንታይ እዩ፧ (th መጽናዕቲ 13)
መዝሙር 113
7. ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልማድ ኣማዕብል
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንሓጐስ ናብራ ስድራ ቤት ኣገዳሲ እዩ። ስድራ ቤት ናጻ ዀይኖም እሂን ምሂን ዚብሃሃሉ እንተ ዀይኖም፡ ናይ ሓባር ሸቶኦም ኪወቕዑ፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ድማ ንሓድሕዶም ኪደጋገፉ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ 15:22) ኣብ ስድራ ቤትካ ብግልጺ እሂን ምሂን ክትብሃሃል እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
ብሓባር ግዜ ኣሕልፉ። (ዘዳ 6:6, 7) ኣባላት ስድራ ቤት ብሓባር ምስ ዚዓይዩ፡ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብሓባር ምስ ዚሳተፉ፡ ብሓባር ምስ ዚዘናግዑ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ፍቕርን ምትእምማንን ይድልድል። ፍዅስ ኢልዎም ኬዕልሉ ድማ ኣጋጣሚ ይፈጥረሎም። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ክንዲ ብሕታዊ ምርጫኻ፡ ምርጫ ኣባላት ስድራ ቤትካ ተቐድም ትኸውን፣ እንተዀነ ግና ውዒሉ ሓዲሩ ዓስቢ ኣለዎ። (ፊል 2:3, 4) ብሓባር ግዜኹም ብዝበለጸ ኽትጥቀምሉ እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧—ኤፌ 5:15, 16።
ነታ ነቲ ናብ ናይ ስድራ ቤት ሰላም ዚመርሕ ፍኖተ ካርታ ስዓብ—ናይ ምዝርራብ ክእለትካ ኣመሓይሽ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦
ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኣብ ስድራ ቤት ንዘሎ ናይ ምዝርራብ ክእለት ኪጐድኦ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ካብዛ ቪድዮ እንታይ ውጽኢታዊ ዝዀነ ናይ ምዝርራብ ክእለት ተማሂርካ፧
ጽቡቕ ጌርካ ስማዕ። (ያእ 1:19) ቈልዑ፡ ወለዶም ብጌጋ ኸም ዘይርድእዎም ወይ ከም ዘይፈርድዎም እንተ ተሰሚዕዎም ናጻ ዀይኖም ሓሳቦም ይገልጹ እዮም። ስለዚ፡ ውሉድካ ዋላ እኳ ዜሕርቅ ነገር እንተ ተዛረበ፡ ከይትቝጣዕ ዚከኣለካ ገበር። (ምሳ 17:27) ኣብ ክንዳኡስ ብድንጋጽ ስምዓዮ። ንሓሳባቱን ንስምዒቱን ክትርድኣሉ ምስ እትፍትን፡ ብፍቕሪ ኽትሕግዞ ትኽእል ኢኻ።
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 27 ¶19-22፡ ኣብ ገጽ 212 ዘላ ሳጹን