26 ግንቦት–1 ሰነ
ምሳሌ 15
መዝሙር 102ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ካልኦት ሕጉስ ልቢ ኺህልዎም ሓግዝ
(10 ደቒቕ)
ኣሕዋትና ኸቢድ ፈተና ኼሕልፉ ኸለዉ፡ ኵለን መዓልትታቶም ክፉኣት ከም ዝዀና ኺስምዖም ይኽእል እዩ (ምሳ 15:15)
ምስ ከቢድ ጸገማት ንዚቃለሱ ብግሽነት ተቐበሎም (ምሳ 15:17፣ w10 15/11 31 ¶16)
“ባህ ዜብል ቈላሕታ”ን ሒደት ዜተባብዕ ቃላትን ዓብዪ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ (ምሳ 15:23, 30፡ እ.ጽ.፣ w18.04 23-24 ¶16-18)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ኣብ ጉባኤይ ምትብባዕ ዜድልዮ መን እዩ፧ ብኸመይከ ኺሕግዞ እኽእል፧’
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ምሳ 15:22—ኣብዛ ጥቕሲ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት፡ ብዛዕባ ሕክምናዊ ኽንክን ጽቡቕ ውሳነ ኽንገብር ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ijwbq ዓንቀጽ 39 ¶3)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ምሳ 15:1-21 (th መጽናዕቲ 2)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 5)
5. ዝርርብ ምጅማር
(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 4)
6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር
(5 ደቒቕ) ካብ ስድራ ቤቱ ምጽራር ንዜጋጠሞ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣተባብዓዮ። (th መጽናዕቲ 4)
መዝሙር 155
7. ፈተናታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ሕጉስ ልቢ ኺህልወና ይኽእል እዩ
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ነታ ክትሕጐስ ትኽእል ኢኻ—ዋላ እኳ ጭንቂ፡ ጥሜት፡ ዕርቃን እናሃለወ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ ሕቶ ሕተቶም፦
ካብዚ ተመክሮታት እንታይ ተማሂርካ፧
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 27 ¶1-9