ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 ግንቦት ገጽ 6-7
  • 19-25 ግንቦት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 19-25 ግንቦት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 ግንቦት ገጽ 6-7

19-25 ግንቦት

ምሳሌ 14

መዝሙር 89ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ፡ ንስጕምትታትካ ተጠንቂቕካ ሕሰበሉ

(10 ደቒቕ)

ንዝሰማዕካዮ “ዅሉ ቓል” ከይትኣምን ተጠንቀቕ (ምሳ 14:15፣ w23.02 22-23 ¶10-12)

ኣብ ስምዒታትካን ኣብ ተመክሮኻን ኣይትወከል (ምሳ 14:12)

ነቶም ካብ ወድብ የሆዋ ዚመጽእ መምርሒ ዚነጽጉ ኣይትስምዓዮም (ምሳ 14:7)

ሓንቲ ስድራ ቤት ፈነወ JW ትርኢ።

ንምስትንታን ዚኸውን፦ ኣቱም ሽማግለታት፡ ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ፡ መምርሒታት ንምስዓብ ድሉዋትን ኣብ የሆዋ እትውከሉን ዲኹም፧—w24.07 5 ¶11።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ምሳ 14:17—“ዜመዛዝን ሰብ” ኪጽላእ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (it-2 1094)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ምሳ 14:1-21 (th መጽናዕቲ 11)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ቍጠባዊ ዅነታት ከም ዘተሓሳሰቦ ንዝነገረካ ሰብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ሓሳባት ኣካፍሎ። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ነቲ ብዓል ቤት ኣብ ዝሓለፈ ምይይጥኩም ዜገድሶ ዝነበረ ርእሰ ነገር ዝሓዘት መጽሔት ኣበርክት። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 4)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) ንተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስካ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ኣተባብዓዮ፡ ነዚ ሸቶኡ ብኸመይ ከም ዚወቅዕ እውን ኣርእዮ። (th መጽናዕቲ 19)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 126

7. ንሓደጋ ተዳሎ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ብሽማግለ ዚቐርብ። ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ካብ ኣካል ሽማግለታትን እተዳለወ መዘኻኸሪ እንተ ኣልዩ ኣቕርብ።

ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ስለ ዘለና፡ ኣዝዩ ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ንፈልጥ ኢና። (2ጢሞ 3:1) ህዝቢ የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ እዋን ሓደጋ እዋናውን ህይወት ዜድሕንን መምርሒ ይረኽቡ እዮም። ምድሓንና ዚምርኰስ፡ ኣብዚ ሕጂ ብተኣዛዝነት እንገብሮ ምድላው እዩ። እዚ ኸኣ ብመንፈሳውን ብኣካላውን መዳይ ምድላው የጠቓልል።—ምሳ 14:6, 8።

  • ብመንፈሳዊ መዳይ ተዳሎ፦ ጽቡቕ ልማድ ኣማዕብል። ኣብ እተፈላለየ መዳይ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣዕዝዝ። ንግዜኡ ኻብ ኣባላት ጉባኤኻ እኳ እንተ ተፈሊኻ፡ ኣይትሰንብድ። (ምሳ 14:30) ከመይሲ፡ ካብ የሆዋን ካብ የሱስን ከቶ ኣይተፈለኻን።—od 175 ¶15-17

  • ብኣካላዊ መደይ ተዳሎ፦ ስድራ ቤታት ንእተወሰነ እዋን፡ ኣብ ሓደ መዕቈቢ ኺጸንሓ ስለ ዚኽእላ፡ ብዘይካ እታ ንህጹጽ እዋን እተድሊ ሳንጣ፡ እተወሰነ ምግብን ማይን መድሃኒትን ካልእ ዜድልየን ነገራትን ኬዳልዋ ኣለወን።—ምሳ 22:3፣ g17.5 4

እታ ኣቐዲምና ዝረኣናያ ስድራ ቤት፡ ንህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ተዳሉ።

ነታ ንሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ኣብ እዋን ሓደጋ የሆዋ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

  • ሕጂ እንታይ ብምግባር ኢና ኽንዳሎ እንኽእል፧

  • ብሓደጋ ንእተጐድኡ ምእንቲ ኽንሕግዝ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦

‘ኣቐዲምካ ብዛዕባ ምድላው፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኻብ ዘጋጠመ ባህርያውን ሰብ ዝሰርሖን ሓደጋ እንታይ ትምህርቲ ኽረክብ እኽእል፧’

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 26 ¶18-22፡ ኣብ ገጽ 209 ዘላ ሳጹን

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 116ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ