12-18 ግንቦት
ምሳሌ 13
መዝሙር 34ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ብ“መብራህቲ እኩያት” ኣይትተዓሾ
(10 ደቒቕ)
እኩያት ተስፋ የብሎምን (ምሳ 13:9፣ it-2 196 ¶2-3)
ምስቶም እከይ ዚገብሩ ግናኸ ጥዑያት ዚመስሉ ኣይትተዓራረኽ (ምሳ 13:20፣ w12 15/7 12 ¶3)
የሆዋ ንጻድቃን ይባርኾም (ምሳ 13:25፣ w04 15/7 31 ¶6)
እቶም ኣብዛ ዓለም ዘሎ ነገራት ዚብህጉ፡ ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣይኰነሎምን እዩ። እቶም ፍቓድ የሆዋ ዚፍጽሙ ግና፡ ናይ ሓቂ ዕግበት ዘለዎ ህይወት እዮም ዚመርሑ
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ምሳ 13:24—እዛ ፍቕዲ ብዛዕባ ፍቕርን ተግሳጽን እንታይ ትምህረና፧ (it-2 276 ¶2)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ምሳ 13:1-17 (th መጽናዕቲ 10)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ምስቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ እዋናዊ ርእሰ ጕዳይ ምስ ተዘራረብኩም፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትጠቕሞ ጥቕሲ ኣርእዮ። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 5)
5. ዝርርብ ምጅማር
(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ነቲ ሰብ ናብ ኣኼባ ዓድሞ። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 3)
6. መደረ
(5 ደቒቕ) lmd መመላእታ ጽሑፍ ሀ ነጥቢ 9—ፍረ ነገር፦ ንወለዶም ዜኽብሩን ዚእዘዙን ውሉዳት ጽቡቕ ይረኽቡ። (th መጽናዕቲ 16)
መዝሙር 77
7. “ብርሃን ጻድቃን ደሚቑ ይበርህ”
(8 ደቒቕ) ምይይጥ።
ቃል ኣምላኽ መዳርግቲ ዘይብሉ ፍልጠትን ጥበብን ዝሓዘ እዩ። ንመገድና ምእንቲ ኼብርሃልና ኣብኡ እንተ ተወኪልና፡ መወዳእታ ዘይብሉ ኣሳልጦን ሓጐስን ክንረክብ ኢና። እዚ ኻብ ዓለም ኪርከብ ኣይከኣልን እዩ።
ነታ ዓለም ዘይብላ ኽትህበካ ኣይትኽእልን ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ተመክሮ ሓብትና ጋይናንሺና “ብርሃን ጻድቃን” ካብ “መብራህቲ እኩያት” ጸብለልትነት ከም ዘለዎ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧—ምሳ 13:9
ግዜኻ ኣብዛ ዓለም ንዘሎ ነገራት ብምምናይ ኣይተጥፍእ፡ ወይ ንየሆዋ ብምግልጋልካ ኣይትጠዓስ። (1ዮሃ 2:15-17) የግዳስ፡ ኣብቲ ዝረኸብካዮ “ብሉጽ ፍልጠት” ኣተኵር።—ፊል 3:8።
8. ነታ ጉባኤ ዜድሊ
(7 ደቒቕ)
9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 26 ¶9-17