5-11 ግንቦት
ምሳሌ 12
መዝሙር 101ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ትግሃት ዓስቢ ኣለዎ
(10 ደቒቕ)
ከንቱ ነገራት ብምስዓብ ግዜ ኣይተጥፍእ (ምሳ 12:11)
ትጉህን ጻዕራምን ኩን (ምሳ 12:24፣ w16.06 30 ¶6)
ተጊህካ እንተ ዓዪኻ፡ ዓስብኻ ኽትረክብ ኢኻ (ምሳ 12:14)
ምኽሪ፦ ተጊህካ ምዕያይካ ንኻልኦት ዚጠቅም እንተ ዀይኑ ዕጉብ ይገብረካ እዩ።—ግብ 20:35፣ w15 1/2 5 ¶4-6።
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ምሳ 12:16—እዚ ኣብዛ ጥቕሲ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ንሓደ ሰብ መከራ ኺጻወር ዚሕግዞ ብኸመይ እዩ፧ (ijwyp ዓንቀጽ 95 ¶10-11)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ምሳ 12:1-20 (th መጽናዕቲ 5)
4. ዝርርብ ምጅማር
(2 ደቒቕ) ኣብ በቤት። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 4)
5. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 4)
6. ንግዱሳት ምክትታል
(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ንሓደ ወላዲ ንወብሳይትና ኣርእዮ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)
7. እምነትካ ምግላጽ
(3 ደቒቕ) መርኣያ። ijwfq ዓንቀጽ 3—ፍረ ነገር፦ ሃይማኖትካ ጥራይ ናይ ሓቂ ኸም ዝዀነት ዲኻ ትኣምን፧ (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 3)
መዝሙር 21
8. ንቝጠባዊ ጸገም ብሓገዝ የሆዋ ተጻወሮ
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ስራሕ ምርካብ ወይ ካብ ስራሕ ምውጻእ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ወይ ኣብ እዋን እርጋን ዜድልየካ ገንዘብ ከይትስእን የጨንቐካ ድዩ፧ ቍጠባ እዛ ዓለም ቀልጢፉ እዩ ዚለዋወጥ ዘሎ። ይኹን እምበር፡ ቝጠባዊ ዅነታትና ብቕልጡፍ እኳ እንተ ተለዋወጠ፡ ንየሆዋ እንተ ኣቐዲምና ወትሩ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝ 46:1-3፣ 127:2፣ ማቴ 6:31-33።
ነታ የሆዋ ኸቶ ኣየሕፈረናን ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ካብ ተመክሮ ሓውና ኣልቫራዶ እንታይ ተማሂርካ፧
1 ጢሞቴዎስ 5:8 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
እዛ ጥቕሲ የሆዋ ንኣምለኽቱ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም ንዘሎና እምነት እተደልድለልና ብኸመይ እያ፧
ቍጠባዊ ቕልውላው ክትጻወር ዚሕግዘካ ሒደት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ርአ፦
9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 26 ¶1-8፡ ኣብ ገጽ 204, 208 ዘሎ ሳጹናት