ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 መጋቢት ገጽ 4-5
  • 17-23 መጋቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 17-23 መጋቢት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 መጋቢት ገጽ 4-5

17-23 መጋቢት

ምሳሌ 5

መዝሙር 122ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ካብ ጾታዊ ርኽሰት ርሓቕ

(10 ደቒቕ)

ጾታዊ ርኽሰት ኬስድዕ ይኽእል እዩ (ምሳ 5:3፣ w00 15/7 29 ¶1)

ጾታዊ ርኽሰት መሪር ሳዕቤን ኣለዎ (ምሳ 5:4, 5፣ w00 15/7 29 ¶2)

ካብ ጾታዊ ርኽሰት ርሓቕ (ምሳ 5:8፣ w00 15/7 29 ¶5)

ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ንሓደ ወዲ ቝጽሪ ተሌፎና ምሃብ ትኣቢ

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ምሳ 5:9—ጾታዊ ርኽሰት “ክብርኻ ንኻልኦት ክትህብ” ዚገብር ብኸመይ እዩ፧ (w00 15/7 29 ¶7)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ምሳ 5:1-23 (th መጽናዕቲ 5)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ካብ ክርስትና እተፈልየ እምነት ንዘለዎ ሰብ ናብ በዓል ዝኽሪ ዓድሞ፣ ኣብ ከባቢኡ ኣበይ ከም ዚብዓል ንምፍላጥ ድማ jw.org ተጠቐም። (lmd ትምህርቲ 6 ነጥቢ 4)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ኣብ ዝሓለፈ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ተቐቢሉን ተገዳስነት ከም ዘለዎ ገሊጹን ነይሩ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 5)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 16 ጽማቝ፡ ክለሳ፡ ሸቶ። ተምሃራይካ “የሱስ እንታይ ይመስል ነይሩ፧” ኢሉ እንተ ሓቲቱካ፡ ብኸመይ ምርምር ገይሩ መልሱ ኸም ዚረክብ ኣርእዮ። (lmd ትምህርቲ 11 ነጥቢ 4)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 121

7. ኣብ እዋን ወረዘ ንጽህናኻ ሓሉ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ውረዛ ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ፡ “ወድን ጓልን ብዝያዳ ምእንቲ ኺፋለጡ ዜሕልፍዎ ግዜ” ኺብሃል ይከኣል እዩ። እዚ ኸኣ ብጕጅለ ወይ ብብሕቲ፡ ብግህዶ ወይ ብሕቡእ፡ ገጽ ንገጽ ብምርኻብ፡ ብተሌፎን ወይ ብሞባይል መልእኽቲ ብምልእኣኽ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ውረዛ፡ መዘናግዒ ዘይኰነስ፡ ሓዳር ቅድሚ ምምስራት ዚውሰድ ረዚን ስጕምቲ እዩ። መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ኣብ እዋን ወረዘ ጾታዊ ርኽሰት ምእንቲ ኸይፍጽሙ ገለ ኻብቲ ኺገብርዎ ዜድሊ ጥንቃቐታት እንታይ እዩ፧—ምሳ 22:3።

ኣብ ውረዛ ዘለዉ ዓበይቲ፡ ብሓባር ባህ ኢልዎም የዕልሉን ኣብ ቤት ምግቢ ይበልዑን።

ነታ ንሓዳር ምድላው—1ይ ክፋል፦ ዓርኪ ኽሕዝ ተዳልየ ድየ፧—ቝንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ሓደ ሰብ ኪምርዖ ድሉው እንተ ዘይኰይኑ፡ ወረዘ ኺጅምር ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ምሳ 13:12፣ ሉቃ 14:28-30)

  • ካብቲ እቶም ወለዲ ንጓሎም ዝሓገዙሉ መገዲ ኣየናይ ስሒብካ፧

ምሳሌ 28:26 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ኣብ ወረዘ ዘለው፡ ጾታዊ ርኽሰት ምእንቲ ኸይፍጽሙ፡ ኣቐዲሞም እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

  • ኣብ ወረዘ ዘለዉ ንኸም ምትሕቝቛፍን ምስዕዓምን ዝኣመሰለ መግለጺ ፍቕሪ፡ ደረት ምእንቲ ኺገብሩሉ ኣቐዲሞም ብንጹር ምምይያጦም ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኤፌሶን 5:3, 4 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ኣብ ወረዘ ዘለዉ ብተሌፎን ወይ ብኢንተርነት ኬዕልሉ ኸለው እንታይ ጥንቃቐታት ኪገብሩ ኣለዎም፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 24 ¶1-6

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 3ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ