ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 ጥሪ ገጽ 8-9
  • 3-9 ለካቲት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 3-9 ለካቲት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 ጥሪ ገጽ 8-9

3-9 ለካቲት

መዝሙር 144–146

መዝሙር 145ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. “የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ!”

(10 ደቒቕ)

የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ይባርኾም (መዝ 144:11-15፣ w18.04 32 ¶3-4)

ብተስፋና ንሕጐስ ኢና (መዝ 146:5፣ w22.10 28 ¶16-17)

የሆዋ ዝኣምላኾም ህዝቢ ንዘለኣለም ኪሕጐሱ እዮም (መዝ 146:10፣ w18.01 26 ¶19-20)

ስእሊ እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ዕድመን ዘለዎም ሕጉሳት ኣሕዋትናን ኣሓትናን።

ንየሆዋ ብተኣማንነት ነገልግሎ እንተ ደኣ ዄንና፡ ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 145:15, 16—እዘን ፍቕድታት፡ ንእንስሳታት ኣብ እንሕዘሉ መገዲ ብኸመይ ይጸልዋና፧ (it-1 111 ¶9)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መዝ 144:1-15 (th መጽናዕቲ 11)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ኣብ ዩኒቨርስቲ ኸም ዚምሃር ይነግረካ። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 5)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ካብ ናውቲ ትምህርቲ ሓንቲ ቪድዮ ኣፋልጥ። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 4)

6. መደረ

(4 ደቒቕ) lmd መመላእታ ጽሑፍ ሀ ነጥቢ 7—ፍረ ነገር፦ ሰበይቲ ንሰብኣያ ብዙሕ ከተኽብሮ ይግባእ። (th መጽናዕቲ 1)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 59

7. የሆዋ ሕጉስ ክትከውን እዩ ዚደሊ

(10 ደቒቕ) ምይይጥ።

የሆዋ ሕጉስ ኣምላኽ እዩ። (1ጢሞ 1:11) ንሱ ብዙሕ ከም ዜፍቅረናን ሕጉሳት ክንከውን ከም ዚደልየናን ዜርኢ ብዙሕ ህያባት ሂቡና እዩ። (መክ 3:12, 13) ብዛዕባ ኽልተ ህያባት እስከ ንርአ—ምግብን ደሃይን።

ኣዕሩኽ ኣብ ዙርያ መጋርያ ሓዊ ኾፍ ኢሎም። እቲ ሓደ ድማ ጊታር ይወቅዕ።

ነታ የሆዋ ኽንሕጐስ ከም ዚደልየና፡ ፍጥረት የረጋግጽ—ጥዑም ምግብን ደስ ዜብል ደሃይን ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ህያብ ምግብን ደሃይን የሆዋ ኽንሕጐስ ከም ዝደልየና ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

መዝሙር 32:8 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • የሆዋ ኽትሕጐስ ከም ዚደልየካ ምፍላጥካ፡ ነቲ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ ዚህበካ መምርሒ ኽትእዘዝ ዚድርኸካ ብኸመይ እዩ፧

8. ነታ ጉባኤ ዜድሊ

(5 ደቒቕ)

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 22 ¶1-6

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 85ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ