ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 ጥሪ ገጽ 6-7
  • 27 ጥሪ–2 ለካቲት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 27 ጥሪ–2 ለካቲት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 ጥሪ ገጽ 6-7

27 ጥሪ–2 ለካቲት

መዝሙር 140–143

መዝሙር 44ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ምስ ልማኖኻ ዚሰማማዕ ስጕምቲ ውሰድ

(10 ደቒቕ)

ምኽሪ ንምቕባል ፍቓደኛ ኹን (መዝ 141:5፣ w22.02 12 ¶13-14)

የሆዋ ኣብ ዝገበሮ ምድሓን ኣስተንትን (መዝ 143:5፣ w10 15/3 32 ¶4)

ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ይሃሉኻ (መዝ 143:10፣ w15 15/3 32 ¶2)

ሓደ መንእሰይ ሓው ብሕታዊ መጽናዕቲ ይገብር። ስእልታት፦ 1. ኣብ ግዳም ኰይኑ ይጽሊ። 2. ምስ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ብሓባር ኬገልግል ከሎ፡ ንምኽሪ እቲ ሓው ጽን ኢሉ ይሰምዕ።

መዝሙር 140–143 ብዛዕባ ልመና ዳዊት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ልመናኡ ዚሰማማዕ እንታይ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ እውን ትገልጽ እያ።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 140:3—ዳዊት ንልሳን እኩያት ምስ ተመን ዘመሳሰሎ ስለምንታይ እዩ፧ (it-2 1151)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መዝ 141:1-10 (th መጽናዕቲ 12)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ንሓደ ሰብ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ምስ ሓገዝካዮ ዝርርብ ጀምር። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 5)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። እቲ ሰብ ትሑዝ ከም ዝዀነ ይነግረካ። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 3)

6. እምነትካ ምግላጽ

(5 ደቒቕ) መርኣያ። ijwfq ዓንቀጽ 21—ፍረ ነገ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምምሕልላፍ ደም ዘይቅበሉ ስለምንታይ እዮም፧ (th መጽናዕቲ 7)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 141

7. ሕክምና ወይ መጥባሕቲ ንዜድልዮ ዅነታት ተዳሎ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

የሆዋ “ብግዜ ጭንቂ ብቐሊሉ ዚርከብ ረድኤት” ከም ዚዀነልና ቓል ኣትዩ እዩ። (መዝ 46:1) ሕክምና ወይ መጥባሕቲ ዜድልዮ ነገር ኬጋጥም ከሎ፡ ክንጭነቕ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ንኸምዚ ዓይነት ኵነታት ምእንቲ ኽንዳሎ፡ ዜድልየና ዘበለ ሂቡና ኣሎ። ንኣብነት፡ ብውድቡ ኣቢሉ ካርድ መምርሒ ኽንክን ጥዕና (DPA)፡ ካርድ መንነት፡a ካልእ ሓበሬታ ሕክምና ዝሓዘ ሰነዳት፡b ከምኡ እውን ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ (HLC) ኣዳልዩልና ኣሎ። እዚ መሰናድዎታት፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ደም ዝሃቦ ሕጊ ኽንእዘዝ ይሕግዘና።—ግብ 15:28, 29።

ሓንቲ ሓብቲ ንካርድ ክንክን መምርሒ ጥዕና ትመልእ።

ነታ ሕክምና ንዜድልዮ ዅነታት ተዳሊኻ ዲኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ገሊኦም ካርድ መምርሒ ኽንክን ጥዕና ብምምላኦም እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧

  • ገሊኦም ካብታ ንነፍሰ ጾር ኣዴታት ዚኸውን ሓበሬታ (S-401) ዘርእስታ ሰነድ እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧

  • ኣብ ሆስፒታል ትድቅስ እንተ ዄንካ፡ መጥባሕቲ እንተ ኣድልዩካ፡ ከም መንሽሮ ዝኣመሰለ ሕክምናዊ ኽንክን ዜድልየካ እንተ ዀይኑ፡ ብዘይ ደም ዚግበር ሕክምና እውን እንተዀነ ብቑልጡፍ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ክትራኸብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ተዳሊኻ ዲኻ፧

  • ንውሳነኻ ኣብ ካርድ ክንክን መምርሒ ጥዕና ኣስፍሮ

  • ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ብቕልጡፍ ተራኸብ

  • ብዛዕባ ምምሕልላፍ ደም፡ ብዛዕባ ኽፋላት ደም፡ ብዛዕባ መምርሒ ናይ ገዛእ ርእስኻ ደም ምጥቃም ዘሎካ መትከል ንሓኪምካ ንምሕባር ተዳሎ።—lff ትምህርቲ 39 ርአ

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 21 ¶14-22

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 103ን ጸሎትን

a እተጠምቁ ኣስፋሕቲ ንዓታቶም ካርድ መምርሒ ኽንክን ጥዕና፡ ንደቆም ድማ መንነት ወረቐት ካብ ኣገልጋሊ ጽሑፋት ኪወስዱ ይኽእሉ እዮም።

b ንነፍሰ ጾር ኣዴታት ዚኸውን ሓበሬታ (S-401)፡ ሓበሬታ ነቶም መጥባሕቲ ወይ ኬሞተራፒ ኪግበረሎም ዜድልዮ ሕማም ዘለዎም ሰባት (S-407)፡ ከምኡ እውን ሕክምናዊ ሓግዝ ዜድልዮም ውሉዳት ንዘለዎም ወለዲ ዚኸውን ሓበሬታ (S-55) እንተ ኣድልዩካ ኻብ ሽማግለታት ክትቕበል ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ