ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 ጥሪ ገጽ 5-16
  • 20-26 ጥሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 20-26 ጥሪ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 ጥሪ ገጽ 5-16

20-26 ጥሪ

መዝሙር 138–139

መዝሙር 93ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ፍርሂ ኺዓግተካ ኣይተፍቅድ

(10 ደቒቕ)

ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ኽንውድሶ ንደሊ ኢና (መዝ 138:1)

ኣብ ጉባኤ ሓሳብ ንምሃብ ምስ እትፈርህ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘካ ኣብኡ ተወከል (መዝ 138:3)

ፍርሂ፡ ጽቡቕ ምልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ (መዝ 138:6፣ w19.01 10 ¶10)

ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ሓሳብ ክትህብ ኢዳ ሓፍ ተብል።

ምኽሪ፦ ሓጸር መልሲ ምሃብ ንጭንቀትና ኺንክዮ ይኽእል እዩ።—w23.04 21 ¶7።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 139:21, 22—ክርስትያናት ንዅሉ ሰብ ይቕረ ኺብሉ ኣለዎም ድዩ፧ (it-1 862 ¶4)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መዝ 139:1-18 (th መጽናዕቲ 2)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 3)

5. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(4 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር፡ ብኸመይ ከም ዚግበር ድማ ኣርኢ። (lmd ትምህርቲ 10 ነጥቢ 3)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) w24.04 14-17 ¶ 1, 4-10—ፍረ ነገር፦ ንሕፍረት ብኸመይ ከሰንፎ እኽእል፧ (th መጽናዕቲ 16)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 59

7. ሓፋር ክነስኻ፡ ኣብ ኣገልግሎት ውጽኢታዊ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ሓፋር ዲኻ፧ ክትሕባእ ዲኻ እትመርጽ፧ ምስ ካልኦት ክትዘራረብ ከለኻ ኸብድኻ ሓበጭበጭ ይብለካ ድዩ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ሕፍረት ክንገብሮ እንደሊ ነገር ካብ ምግባር ይዓግተና እዩ። እንተዀነ ግና፡ ብዙሓት ሓፋራት ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ውጺኢታውያን ኪዀኑ ኺኢሎም እዮም፣ ወረግ ፈትዮምዎ እዮም። እሞ ደኣ ኻብ ኣብነቶም እንታይ ትምሃር፧

ነታ ሓፋር ክነሰይ ብሉጸይ ሂበ። ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ሓብትና ሊ ነቲ ዓባያ “ዘሎኪ ዅሉ ንኣገልግሎት የሆዋ ሃቢ” ኢላ ዝመኸረታ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓላ እተጠቕመት ብኸመይ እያ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሙሴን ኤርምያስን ጢሞቴዎስን ሓፋራት ከም ዝነበሩ ይገልጽ እዩ። (ዘጸ 3:11፣ 4:10፣ ኤር 1:6-8፣ 1ጢሞ 4:12) እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ኣብ ጐድኖም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዙሕ ነገራት ኪዓምሙ ኺኢሎም እዮም። (ዘጸ 4:12፣ ኤር 20:11፣ 2ጢሞ 1:6-8)

ስእልታት፦ 1. ሙሴ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዛ ኽልተ ጽላት ሒዙ። 2. ኤርምያስ ይጽሊ። 3. ጢሞቴዋስ ካብ ጥቕላል የንብብ።

ኢሳይያስ 43:1, 2 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • የሆዋ ንኣምለኽቱ እንታይ ቃል እዩ ኣትዩሎም፧

የሆዋ ሎሚ ንዘለዉ ሓፋራት ኣብ ኣገልግሎት ውጽኢታውያን ምእንቲ ኪዀኑ ብኸመይ ክሕግዞም ይኽእል፧

ነታ ጥምቀትካ ናብ ሓጐስ ዚመርሓካ ብኸመይ እዩ፧—ቍንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ሓብትና ጃክሰን ኣብ ኣገልግሎት ሓይልን ደገፍን የሆዋ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧

  • ኣገልግሎት ሓፋር ንዝዀነ ሰብ ዚሕግዞ ብኸመይ እዩ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 21 ¶8-13፡ ኣብ ገጽ 169 ዘላ ሳጹን

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 151ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ