17-23 ሰነ
መዝሙር 51–53
መዝሙር 89ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ከቢድ ጌጋ ንኸይትፍጽም ክትወስዶ ዚግባእ ስጕምትታት
(10 ደቒቕ)
ከም ዘይትጋገ ጌርካ ኣይትሕሰብ፣ ከመይሲ፡ ሰባት ክፉእ ናብ ምግባር ዘዘምበሉ እዮም (መዝ 51:5፣ 2ቈረ 11:3)
ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ይሃሉኻ (መዝ 51:6፣ w19.01 15 ¶4-5)
ንርኹስ ሓሳባትን ባህግታትን ተቓለሶ (መዝ 51:10-12፣ w15 15/6 14 ¶5-6)
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) መዝ 51:1-19 (th መጽናዕቲ 12)
4. ዝርርብ ምጅማር
(2 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 3)
5. ዝርርብ ምጅማር
(2 ደቒቕ) ኣብ በቤት። (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 4)
6. ንግዱሳት ምክትታል
(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ነቲ ሰብ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ንገሮ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 5)
7. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር
መዝሙር 115
8. ጌጋታትካ ንምእራም እንታይ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ኵላትና ንጋገ ኢና። (1ዮሃ 1:8) ምስ እንጋገ፡ ክንሓፍር የብልናን ወይ ኣብ ጸገም ከይንኣቱ ብምፍራህ ይቕረታን ሓገዝን የሆዋ ኻብ ምሕታት ዓዲ ኽንውዕል የብልናን። (1ዮሃ 1:9) ጌጋና ንምእራም፡ እቲ ቐዳማይ ስጉምቲ ናብ የሆዋ ምጽላይ እዩ።
መዝሙር 51:1, 2, 17 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ከቢድ ጌጋ እንተ ፈጺምና፡ ቃላት ዳዊት ካብ የሆዋ ሓገዝ ክንደሊ ዚድርኻና ብኸመይ እየን፧
ነታ ንእስነተይ—ጌጋታተይ ብኸመይ ክእርሞ እኽእል፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦
ንታሊላን ንሆሴን ጌጋ ንኺፍጽሙ ዝገበሮም ገለ ነገራት እንታይ እዩ፧
ጌጋኦም ንምእራም እንታይ ስጕምትታት እዮም ወሲዶም፧
ከምኡ ብምግባሮምከ ብኸመይ ተጠቒሞም፧
9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 11 ¶5-10፡ ኣብ ገጽ 89 ዘላ ሳጹን