ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb24 ግንቦት ገጽ 14-15
  • 24-30 ሰነ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 24-30 ሰነ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
mwb24 ግንቦት ገጽ 14-15

24-30 ሰነ

መዝሙር 54–56

መዝሙር 48ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ኣምላኽ ምሳኻ እዩ

(10 ደቒቕ)

ክትፈርህ ከለኻ ኸም ዳዊት ኣብ የሆዋ ተወከል (መዝ 56:1-4፣ w06 1/8 22 ¶10-11)

የሆዋ ኽትጻወር ኪሕግዘካ እዩ፡ ንጻዕርኻ እውን ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ (መዝ 56:8፣ cl 243 ¶9)

የሆዋ ምሳኻ እዩ። ነባሪ ጕድኣት ኪበጽሓካ ድማ ኣይኪፈቅድን እዩ (መዝ 56:9-13፣ ሮሜ 8:36-39፣ w22.06 18 ¶16-17)

እተጨነቐት ሓብቲ ልባዊ ጸሎት ተቕርብ።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 55:12, 13—የሆዋ፡ ይሁዳ ንየሱስ ኣሕሊፉ ኺህቦ ኣቐዲሙ ወሲኑ ነይሩ ድዩ፧ (it-1 857-858)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መዝ 55:1-23 (th መጽናዕቲ 10)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ነቲ ብዓል ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ መደብ ግለጸሉ፣ ካርድ ኣድራሻ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ሃቦ። (th መጽናዕቲ 11)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 4)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) w23.01 29-30 ¶12-14—ፍረ ነገር፦ ንክርስቶስ ዘላትና ፍቕሪ፡ ተባዓት ክንከውን ትድርኸና። ስእሊ ርአ። (th መጽናዕቲ 9)

ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣውቶቡስ ንሓንቲ እተጨነቐት ሰበይቲ ትርእያ። እታ ሓብቲ “ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧” ዘርእስታ ትራክት ሒዛ።

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 153

7. ክትሕጐስ ትኽእል ኢኻ—ዋላ እኳ ሰይፊ እናሃለወ

(5 ደቒቕ) ምይይጥ።

“ክትሕጐስ ትኽእል ኢኻ—ዋላ እኳ ሰይፊ እናሃለወ” ኻብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓውና ዱግበ ብዛዕባ ዜሕለፎ ህይወት ይሓስብ።

ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ክትፈርህ ከለኻ ኻብ ተመክሮ ሓውና ዱግበ ኺሕግዘካ ዚኽእል እንታይ ተማሂርካ፧

8. ንሰነ እተዳለወ ውድባዊ ዕማማት

(10 ደቒቕ) ነታ ቪድዮ ወልዓያ።

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 11 ¶11-19

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 70ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ