ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb24 ግንቦት ገጽ 6-7
  • 27 ግንቦት–2 ሰነ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 27 ግንቦት–2 ሰነ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
mwb24 ግንቦት ገጽ 6-7

27 ግንቦት–2 ሰነ

መዝሙር 42–44

መዝሙር 86ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ካብ መለኮታዊ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም

(10 ደቒቕ)

ነቲ ምስ ካልኦት ኰይንካ ንየሆዋ ናይ ምምላኽ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ፣ ዚከኣል እንተ ኰይኑ ብኣካል ክትእከብ ይምረጽ (መዝ 42:4, 5፣ w06 1/6 9 ¶5)

ቃል ኣምላኽ ቅድሚ ምጽናዕካ ጸሊ (መዝ 42:8፣ w12 15/1 15 ¶2)

ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ መዳይ ህይወትካ ኺመርሖ ፍቐደሉ (መዝ 43:3)

ኣሓት ኣብ ኣኼባ ዞባ ጽን ኢለን ይሰምዓን መዘኻኸሪ ይጽሕፋን።

መለኮታዊ ትምህርቲ፡ ፈተናታት ክንጻወር የበርትዓና፣ ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ድማ ይሕግዘና።—1ጴጥ 5:10፣ w16.09 5 ¶11-12።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 44:19—“ሰፈር ወኻሩ” ዚብላ ቓላት ንምንታይ የመልክታ፧ (it-1 1242)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መዝ 44:1-26 (th መጽናዕቲ 11)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 5)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(5 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ኣብ ዚቕጽል ናብ ዚቐርብ ህዝባዊ መደረ ዓድሞ። ነታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣፋልጥ። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 5)

6. መደረ

(3 ደቒቕ) lmd መመላእታ ጽሑፍ ሀ ነጥቢ 4—ፍረ ነገር፦ ኵሉ ሰብ ፍጹም ጥዕና ኺህልዎ እዩ። (th መጽናዕቲ 2)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 21

7. ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን ጥበባዊ ውሳነ ግበር

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ስእልታት፦ ሓደ መንእሰይ ሓው መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወድአ ድማ እንታይ ከም ዚገብር የስተንትን። 1. ምስ መምህሩ ይዘራረብ። 2. ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ይምሃር። 3. ኣብ ወጻኢ ዓዲ ይሰብኽ።

ኣቱም መንእሰያት፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩም እንታይ ክትገብሩ መዲብኩም፧ ፈለምቲ ኽትኰኑ ዜኽእለኩም ስራሕ ክትሰርሑ ሓሲብኩም ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ድማ ስራሕ ክትረኽቡ ዜኽእለኩም ተወሳኺ ናይ ሞያ ስልጠና ኽትወስዱ፡ ወረቐት ምስክር ወይ ዲፕሎማ ኺህልወኩም ሓሲብኩም ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ግዜ ንእስነት ባህ ዜብል እዋን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ብምርጫታትኩም ወይ ብጸቕጢ ኻልኦት ብዝገበርኩምዎ ውሳነ ትጕህዩ ትዀኑ። እሞ ደኣ ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብሩ እንታይ ኪሕግዘኩም ይኽእል፧

ማቴዎስ 6:32, 33 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን ኣገዳሲ ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ፡ ንጹር መንፈሳዊ ሸቶታት ከተውጽእ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ወለዲ፡ ደቆም ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:32, 33 ዘሎ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧—መዝ 78:4-7

ባህጊ ሃብትን ዝናን ንውሳነኻ ኸይጸልዎ ተጠንቀቕ። (1ዮሃ 2:15, 17) ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ንዘለዎ ሰብ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕባል ኪኸብዶ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። (ሉቃ 18:24-27) ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ምስዓብ፡ ምስ መንፈሳዊ ዕቤትን ኣሳልጦን ኣይቃዶን።—ማቴ 6:24፣ ማር 8:36።

ነታ ኣብ ዚፈሽል ከይትውከል ተጠንቀቕ!—ሃብቲ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ምሳሌ 23:4, 5 ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብር እትሕግዘካ ብኸመይ እያ፧

ምኽሪ

  • ንሓጺርን ንነዊሕን እዋን ዚኸውን መንፈሳዊ ሸቶ ኣውጽእ

  • ብዛዕባ ትምህርቲ እትገብሮ ምርጫን ኣብ መጻኢ እትሰርሖ ስራሕን ምስ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ኸም ዚሳነ ርግጸኛ ኹን

  • ሚዛናውን ተዓጻጻፍን ኩን። እተወሰነ ተወሳኺ ስልጠና ወይ ትምህርቲ ኽትምሃር እንተ ወሲንካ፡ ስራሕ ከም እትረኽበሉ ርግጸኛ ኹን

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 10 ¶5-12

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 47ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ