ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb24 ግንቦት ገጽ 5-16
  • 20-26 ግንቦት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 20-26 ግንቦት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
mwb24 ግንቦት ገጽ 5-16

20-26 ግንቦት

መዝሙር 40–41

መዝሙር 102ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ንኻልኦት እንሕግዝ ስለምንታይ ኢና፧

(10 ደቒቕ)

ንኻልኦት ምሕጋዝ ሓጐስ የምጽኣልና (መዝ 41:1፣ w18.08 22 ¶16-18)

የሆዋ ነቶም ንኻልኦት ዚሕግዙ ይሕግዞም (መዝ 41:2-4፣ w15 15/12 24 ¶7)

ንኻልኦት ምስ እንሕግዝ ንየሆዋ ውዳሰ ነምጽኣሉ (መዝ 41:13፣ ምሳ 14:31፣ w17.09 12 ¶17)

ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኣጠቓቕማ ታብለት ተርእያ።

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ኣብ ጉባኤይ ን​JW Library ኣፕሊኬሽን ብዝያዳ ጽቡቕ ገይሩ ምእንቲ ኺጥቀመሉ ሓገዝ ዜድልዮ ሰብ ይህሉዶ ይኸውን፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 40:5-10—ጸሎት ዳዊት ብዛዕባ ምቕባል ልዑላውነት የሆዋ እንታይ ይምህረና፧ (it-2 16)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መዝ 40:1-17 (th መጽናዕቲ 12)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ምስ ሓደ ሕጉስ ዚመስል ሰብ ዝርርብ ጀምር። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 3)

5. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ምስ ሓደ ዝጐሃየ ዚመስል ሰብ ዝርርብ ጀምር። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 5)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 14 ነጥቢ 6። በቲ ኣብ “ዳህስስ” እትርከብ “ንየሆዋ ኣብ ጉባኤ ወድሶ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ዘሎ ነጥብታት ጌርካ፡ ንሓደ ኣብ ጉባኤ ሓሳብ ካብ ምሃብ ድሕር ምሕር ዚብል ተምሃራይ ኣመያይጦ። (th መጽናዕቲ 19)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 138

7. ንኣረጋውያን ሰናይ ግበር

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

የሆዋ ንዅሉ እቲ ኣረጋውያን ኣብ ጉባኤ ዚዓይይዎ ዕዮ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ፣ ንሕና እውን ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። (እብ 6:10) ንነዊሕ ዓመታት፡ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ንምምሃር፡ ንምስልጣን፡ ንምትብባዕ ብዙሕ ዓይዮም እዮም። ንዓኻ እውን ከም ዝሓገዙኻ ፍሉጥ እዩ። ንዅሉ እቲ ኣብ ጉባኤ ዝገበርዎን ዚገብርዎ ዘለዉን ዘሎካ ሞሳ ብኸመይ ክትገልጽ ትኽእል፧

“ንኣሕዋትና ሰናይ ንግበር” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓውና ሆጂን ካን ኣብ ግዳም ገዛኡ ንዘሎ ዕዮ ኺዓዪ ይሕግዝዎ።

ነታ ‘ንኣሕዋትና ሰናይ ንግበር’ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ሓውና ጂሁን ካብ ሓውና ሆጂን ካን እንታይ ተማሂሩ፧

  • ኣብ ጉባኤኻ ኻብ ዘለዉ ኣረጋውያን እተድንቖ እንታይ እዩ፧

  • ካብ ምሳሌ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

  • ሓውና ጂሁን ንሓውና ሆጂን ካን ኪሕግዞ ኸሎ ኻልኦት ኪሳተፉ ምግባሩ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧

ብዛዕባ ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣረጋውያን ዜድልዮም ሓገዝ ኣጸቢቕና ምስ እንሓስብ፡ ንዕኦም እንሕግዘሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንረክብ ኢና። ሓገዝ ከም ዜድሊ እንተ ኣስተብሂልካ፡ በየናይ መዳይ ከም እትሕግዝ ሕሰበሉ።—ያእ 2:15, 16።

ገላትያ 6:10 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ኣብ ጉባኤኻ ንዘለዉ ኣረጋውያን በየናይ መገድታት ኢኻ ‘ሰናይ እትገብር’፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 10 ¶1-4፡ ኣብ ገጽ 79 ዘላ ሳጹን

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 8ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ