ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 ሓምለ ገጽ 9
  • ልቢ ብምትንካይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ልቢ ብምትንካይ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ—ሕቶታት ሕተት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ብጸሎት ሓገዝ የሆዋ ተቐበል
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ርኹስ ልማዳት ኬሰንፉ ሓግዞም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 ሓምለ ገጽ 9

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ

ልቢ ብምትንካይ

ንኣምላኽ ዘሎና ተኣዛዝነት ካብ ልብና ዘንቀደ ኪኸውን ኣለዎ። (ምሳ 3:1) ስለዚ፡ ክንምህር ከለና ልቢ ሰማዕትና ንምትንካይ፡ ክንጽዕር ኣሎና። ብኸመይ፧

ንተምሃራይካ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ እትምሃሮ ምስ ህይወቱን ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብን ኬተሓሕዞ ሓግዞ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንፍቕርን ሕያውነትን ጽድቅን የሆዋ ብኸመይ ከም ዜንጸባርቕ ኪርዳእ ሓግዞ። ሕቶታት ብሜላ ብምጥቃም፡ ተምሃራይካ ብዛዕባ እቲ ዚምሃሮ ርእሱ ኺምርምር ሓግዞ። ግጉይ ኣረኣእያ ወይ ተግባራት ምዕራይ ዘለዎ ጥቕምታት ኪሓስብ ሓግዞ። ተምሃራይካ ንየሆዋ ኻብ ልቢ ኸም ዜፍቅሮ ምስ ረኣኻ፡ ሓጐስካ ኺውስኽ እዩ።

ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ልቢ ብምትንካይ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ልቢ ብምትንካይ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኒታን ጀድን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዓ ኸለዋ፡ ኒታ ሕቶ ትሓትታ።

    ኒታ ‘ነቲ ሰኑይ እተዘራረብናሉ ሓሲብክሉዶ፧’ ኢላ ንጀድ ዝሓተተታ ስለምንታይ እያ፧

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ልቢ ብምትንካይ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኒታ ብጥቕሲ ተረድኣ።

    ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ የሆዋ ንዓኣ ዘለዎ ፍቕሪ ኸተተሓሕዞ፡ ኒታ ንጀድ ዝሓገዘታ ብኸመይ እያ፧

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ልቢ ብምትንካይ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ጀድ ንኒታ ጽን ኢላ ትሰምዓ።

    ልቢ ተምሃራይና እንተ ተንኪና፡ ዕቤት ኪገብር ኪድረኽ እዩ

    ጀድ ንኣምላኽ ዘለዋ ፍቕሪ ኸተርኢ፡ ኒታ ዝሓገዘታ ብኸመይ እያ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ