ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 ሓምለ ገጽ 5
  • “ኣይትጨነቕ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣይትጨነቕ”
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ
    ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ድኽነት ዘይብላ ዓለም ቀሪባ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንድኻታት ተስፋ ሃቦም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • መዘኻኸሪታት ኣኼባ ዞባ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 ሓምለ ገጽ 5
ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሽዱሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት፡ ምስ ኣሕዋቶም መንፈሳዊ ንጥፈታት ኪገብሩ፡ በቲ ጽጉማት ሰባት ዚነብርሉ ኣቢሎም ይሓልፉ።

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

“ኣይትጨነቕ”

የሆዋ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ንዝነበሩ ድኻታት ይሕግዞም ነበረ። ገለ ኻብቲ ሎሚ ንዘለዉ ድኻታት ኣገልገልቱ ዚሕግዘሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

  • ንገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዚህልዎም ብምምሃር።—ሉቃ 12:15፣ 1ጢሞ 6:6-8

  • ንገዛእ ርእሶም ግቡእ ኣኽብሮት ከም ዚህልዎም ብምግባር።—እዮ 34:19

  • ብትግሃት ኪዓይዩን ጐዳኢ ልማድ ኬወግዱን ብምምሃር።—ምሳ 14:23፣ 20:1፣ 2ቈረ 7:1

  • ኣባል እቲ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ክርስትያናዊ ሕውነት ከም ዚዀኑ ብምግባር።—ዮሃ 13:35፣ 1ዮሃ 3:17, 18

  • ተስፋ ብምሃብ።—መዝ 9:18፣ ኢሳ 65:21-23

ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ክንጭነቕ ግና ኣየድልየናን እዩ። (ኢሳ 30:15) ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ እንተ ደሊና፡ የሆዋ ብስጋዊ መዳይ ዜድልየና ዘበለ ኼማልኣልና እዩ።—ማቴ 6:31-33።

ነታ ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን፡ ዋላ እኳ ድኽነት እናሃለወ—ኮንጎ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብታ ‘ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን፡ ዋላ እኳ ድኽነት እናሃለወ—ኮንጎ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ናብቲ ኣኼባ ዞባ ዚግበረሉ ቦታ፡ መናብርን ካልእ ንብረትን ተሰኪሞም ይኸዱ።

    እቶም ኣብ ጥቓ ኣኼባ ዞባ ዚግበረሉ ቦታ ዚነብሩ ኣሕዋት፡ ነቶም ካብ ካልእ ዓዲ ናብ ኣኼባ ዝመጹ ኣሕዋት ብፍቕሪ እተቐበልዎም ብኸመይ እዮም፧

  • ካብታ ‘ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን፡ ዋላ እኳ ድኽነት እናሃለወ—ኮንጎ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓደ ሓው ካብ ርሑቕ ቦታ ንዚመጹ ኣሕዋት መደቀሲ የዳልወሎም።

    ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ካብቲ የሆዋ ንድኻታት ዘለዎ ፍቕሪ እንታይ ንምሃር፧

  • ካብታ ‘ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን፡ ዋላ እኳ ድኽነት እናሃለወ—ኮንጎ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣሕዋት ናብ ኣኼባ ዞባ ንምኻድ ይከዳደኑ።

    ደረጃ መነባብሮና ብዘየገድስ፡ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ