ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 ሓምለ ገጽ 3
  • ድንጋጽ ብምርኣይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድንጋጽ ብምርኣይ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓልዮት ሕያውነትን ርሕራሐን ከነርኢ እትሕግዝ ባህሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ኣምላኽ ይድንግጸልካ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ደንግጸሎም
    ንቕሑ!—2020
  • ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ—ሕቶታት ሕተት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 ሓምለ ገጽ 3

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ

ድንጋጽ ብምርኣይ

ድንጋጽ፡ ሓደ ሰብ ንዘለዎ ኣተሓሳስባን ስምዒታትን መትከላትን ድሌትን ክንርዳእ እትሕግዘና ባህርይ እያ። ሰባት ንምሕጋዝ ዘሎና ልባዊ ድሌት፡ ካልኦት ብቐሊሉ ኺርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣገልግሎትና ድንጋጽ ምስ እነርኢ፡ ንፍቕርን ንሓልዮትን የሆዋ ኢና እነንጸባርቕ። እዚ ድማ ንሰባት ናብኡ ኸም ዚስሓቡ ይገብሮም እዩ።—ፊል 2:4።

ድንጋጽ ምርኣይ፡ ናይ ምምሃር ክእለት ጥራይ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ኣብቲ እንሰምዓሉን እንዛረበሉን መገዲ፡ ኣብ ኣረኣእያናን ኣካላዊ ምንቅስቓስናን፡ ኣብ ገጽና ኣብ ዚንበብ መግለጺ እውን ዚርአ እዩ። ድንጋጽ ምስ እነርኢ ናይ ሓቂ ተገዳስነትን ስምዒትን ኢና እነርኢ። ድሕሪኡ፡ ተገዳስነቶምን እምነቶምን ኵነታቶምን ነስተብህል ኢና። ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእል ሓበሬታን ሓገዝን ክንህቦ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ለውጢ ኺገብር ጸቕጢ ኽንገብረሉ የብልናን። ክንሕግዞም ፍቓደኛታት ምስ ዚዀኑ፡ ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስና ኺውስኽ እዩ።

ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ፡ ክእለትካ ኣመሓይሽ—ድንጋጽ ብምርኣይ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ድንጋጽ ብምርኣይ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ጀድ ንምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከም ዘይከኣለት ኣብ ካፈ ንኒታ ትነግራ።

    ጀድ ደንጕያ ምስ መጸት፡ ኒታ ድንጋጽ ዘርኣየታ ብኸመይ እያ፧

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ድንጋጽ ብምርኣይ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኒታ ኸኣ ብድንጋጽ ትሰምዓ።

    ጀድ ብሰንኪ ጸቕጢ መጽናዕቲ ኽትገብር ከም እተጸገመት ንኒታ ምስ ነገረታ፡ ንሳ ድንጋጽ ዘርኣየታ ብኸመይ እያ፧

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ድንጋጽ ብምርኣይ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኒታ ንጀድ ክፍላ ኸተላዕሎ ትሕግዛ።

    ንሰባት ድንጋጽ ምስ እነርእዮም ናብ የሆዋ ይስሓቡ

    ጀድ ‘ስርዓት ንዓይ ኣይትኸውንን እያ’ ምስ በለታ፡ ኒታ ድንጋጽ ዘርኣየታ ብኸመይ እያ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ