ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ሕዳር ገጽ 2
  • 2-8 ሕዳር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 2-8 ሕዳር
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ሕዳር ገጽ 2

2-8 ሕዳር

ዘጸኣት 39-40

  • መዝሙር 89ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • “ሙሴ ብጥንቃቐ መምርሒ ስዒቡ”፦ (10 ደቒቕ)

    • ዘጸ 39:32—ሙሴ ነቲ የሆዋ ንህንጸት እታ ማሕደር ብዚምልከት ዝሃቦ መምርሒ ብጥንቃቐ ስዒቡ (w11 15/9 27 ¶13)

    • ዘጸ 39:43—ሙሴ እቲ ማሕደር ምስ ተዛዘመ፡ ብውልቁ መርሚርዎ

    • ዘጸ 40:1, 2, 16—ሙሴ ነቲ ማሕደር ብመሰረት መምርሒ የሆዋ ተኸሎ (w05 15/7 27 ¶3)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (10 ደቒቕ)

    • ዘጸ 39:34—እስራኤላውያን ነቲ ቘራብቲ ታሓሽ ብኸመይ እዮም ረኺቦምዎ ኪዀኑ ዚኽእሉ፧ (it-2 884 ¶3)

    • ዘጸ 40:34—እቲ ደበና ንድንኳን ምርኻብ ምጕልባቡ እንታይ የመልክት፧ (w15 15/7 21 ¶1)

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ዘጸ 39:1-21 (th መጽናዕቲ 5)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ቪድዮ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ነታ ቪድዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕረፍቲ ደው ኣብላ፣ ንሰማዕቲ ድማ ነቲ ኣብታ ቪድዮ ዘሎ ሕቶታት ሕተቶም። እቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ ፖለቲካዊ ወይ ማሕበራዊ ጕዳያት ኪዘራረብ እንተ ደልዩ፡ ብኸመይ ገለልትነትና ኸም እንሕሉ ተመያየጡሉ።

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። እቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ ሓደ ናይ ፖለቲካ ሕጹይ ወይ ፖለቲካዊ ጕዳይ እንታይ ርእይቶ ኸም ዘሎካ ምስ ሓተተ ምላሽ ሃበሉ። (th መጽናዕቲ 12)

  • መደረ፦ (5 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) w16.04 29 ¶8-10—ፍረ ነገር፦ ብኣዘራርባናን ብኣተሓሳስባናን ክርስትያናዊ ገለልትነትና ኽንሕሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (th መጽናዕቲ 14)

ክርስትያናዊ ህይወት

  • መዝሙር 123

  • ብኣቓልቦ ስማዕ (ማቴ. 13:16)፦ (15 ደቒቕ) ነታ ቪድዮ ወልዓያ። (ኣብ ትሕቲ ቪድዮታት፦ መደባትን ፍጻመታትን) ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተት፦ ብኣቓልቦ ኽንሰምዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ማርቆስ 4:23, 24 እንታይ እዩ ትርጉማ፧ ንእብራውያን 2:1 ንምብራህ እንታይ ምሳሌ ኽንጥቀም ንኽእል፧ ብኣቓልቦ ኸም እንሰምዕ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) jy ምዕ. 88 ¶1-11

  • መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)

  • መዝሙር 61ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ