ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ጥቅምቲ ገጽ 3
  • ምስ የሆዋ ንዘሎካ ርክብ ኣኽቢርካ ርኣዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ የሆዋ ንዘሎካ ርክብ ኣኽቢርካ ርኣዮ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ድልዱል ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ካልኦት ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ምሃሮም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትቐርብ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • ወትሩ ኣብ የሆዋ ተወከል!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ጥቅምቲ ገጽ 3
ስእልታት፦ ሓደ ሰብኣይ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ የደልድል። 1. ይጽሊ። ናብ ላዕሊ ዜመልክት ስእላዊ ቐስቲ። 2. መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ። ናብ ታሕቲ ዜመልክት ስእላዊ ቐስቲ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ምስ የሆዋ ንዘሎካ ርክብ ኣኽቢርካ ርኣዮ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍሉይ መሰል ኣለዎም። ርእስና ወፊና እተጠመቕና ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ምስቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንዝመስረትናዮ ብሕታዊ ርክብ ከነማዕብሎ ወትሩ ኽንጽዕር ኣሎና። የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ናብኡ ስሒቡና እዩ። (ዮሃ 6:44) ንጸሎትና እውን ይሰምዖ እዩ።—መዝ 34:15።

እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ኽቡር ርክብ ብኸመይ ክንዕቅቦ ንኽእል፧ ቅድም ቀዳድም፡ ከምቲ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ኸቢድ ሓጢኣት ክንገብር የብልናን። ምስ የሆዋ ኺዳን ካብ ዚኣትዉ ብዙሕ ከይጸንሑ፡ ምራኽ ወርቂ ብምግባር ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ወዲቖም እዮም። (ዘጸ 32:7, 8፣ 1ቈረ 10:7, 11, 14) ንርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ንሕተታ፦ ‘ጌጋ ኽገብር ምስ ዝፍተን ብኸመይ ምላሽ ምሃብኩ፧ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ኣኽቢረ ኸም ዝርእዮ፡ ብተግባራተይ አርኢ ድየ፧ እቲ ንሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ዓሚቝ ፍቕሪ፡ ካብቲ ንሱ ዚጸልኦ ኽንሃድም ይሕግዘና እዩ።—መዝ 97:10።

ነታ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ሓሉ (ቈሎ 3:5) ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ስስዐ እንታይ እዩ፧

  • ካብ ስስዐን ካብ ኣምልኾ ጣኦትን ክንርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ዝሙትን ኣምልኾ ጣኦትን ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧

  • ብፍላይ እቶም ቲኦክራሲያዊ ሓላፍነት ዘለዎም ክርስትያናት፡ ንድሌት መጻምድቶም ወትሩ ኼማልኡ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ