ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ካሜራ ወይ ኢንተርኮም ተጠቒምካ መስክር
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለታትን ምውሳኽ ገበንን፡ ኣብ ገዛ ዚግበር ካሜራ ድሕንነትን ኢንተርኮምን ልሙድ ኪኸውን ይገብሮ ኣሎ። ንሓደ ዚርእየና ንሕና ግና ዘይንርእዮ ሰብ፡ ብስራት ከነካፍል ኣጋጣሚ እንተ ረኺብና ኽንፈርህ ንኽእል ኢና። እዚ ዚስዕብ መዘኻኸሪታት ብካሜራ ወይ ብኢንተርኮም ብርእሰ ምትእምማን ክንምስክር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
ኣወንታዊ ኹን። ካሜራ ወይ ኢንተርኮም ዘለዎም ሓያሎ ሰብ ቤት ምሳና ንምዝርራብ ፍቓደኛታት እዮም
ገሊኡ ካሜራታት ናብ ማዕጾ ተጸጊዕካ ደወል ቅድሚ ምትንካይካ ኪቐድሕ ይጅምር እዩ፣ ስለዚ እቲ ብዓል ቤት በቲ ካሜራ ኺርእየካን ኪሰምዓካን ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ
እቲ ብዓል ቤት ምላሽ ምስ ሃበ፡ በቲ ኢንተርኮም ወይ ካሜራ ልክዕ ገጽ ንገጽ ትዘራረብ ከም ዘለኻ ጌርካ ተዛረብ። ብባህርያዊ መገዲ ፍሽኽ እናበልካ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ተጠቐም። ከምቲ ብኣካል እንተ ትረኽቦ ኽትዛረቦ ዝሓሰብካዮ፡ ጌርካ ተዛረብ። ካሜራ እንተ ኣልዩ፡ ገጽካ ኣመና ኣይትጸጋዕ። እቲ ብዓል ቤት ምላሽ እንተ ዘይሂቡ፡ መልእኽቲ ኣይተቐምጥ
ምይይጥኩም ምስ ተወድአ እውን ከይተረፈ፡ እቲ ብዓል ቤት ኪርእየካ ወይ ኪሰምዓካ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ