ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ሚያዝያ ገጽ 7
  • “ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ”
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስሒር ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ድዩ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር፡ ሓገዝ የሆዋ ተቐበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መናፍስትነት እንታይ ይምህር፧
    ንቕሑ!—2017
  • ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ሃቦ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ሚያዝያ ገጽ 7
ሓደ ሰብኣይ ነቲ ምስ መናፍስትነት እተተሓሓዘ መቝጸርያ ይድርብዮ።

ክርስትያናዊ ህይወት

“ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ”

ያእቆብ ንኣምልኾ ጣኦት ዚኽልክል ሕጊ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን እውን፡ ንበይኑ ተወፋይነት ዚግብኦ ኣምላኽ፡ የሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘጸ 20:3-5) ስለዚ፡ የሆዋ ንያእቆብ ናብ ቤት-ኤል ኪምለስ ምስ ነገሮ፡ ያእቆብ ንዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ጣኦታቶም ኬርሕቑ መምርሒ ሃቦም። ድሕሪኡ፡ ያእቆብ ንዅሉ ጣኦታት፡ እንተላይ ነቲ ኸም ክታብ ዚቍጸር ቀላብቲ ኣወገዶ። (ዘፍ 35:1-4) የሆዋ በቲ ያእቆብ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኸም እተሓጐሰ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ሎሚኸ፡ ንየሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ክንህቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ፈለማ፡ ምስ ጣኦታት ወይ መናፍስትነት እተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ነገር ብምውጋድ እዩ። እዚ ድማ፡ ምስ ስሒር እተተሓሓዘ ነገራት ምውጋድን መዘናግዒና ብጥንቃቐ ምምርማርን የጠቓልል። ንኣብነት፡ ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘በቲ ብዛዕባ ቫምፓየራት፡ ዞምቢታት፡ ወይ ካልእ ልዕለ ባህርያዊ ነገራት ዚገልጽ መጻሕፍቲ ወይ ፊልምታት እዘናጋዕ ድየ፧ ንስሒር፡ ንስራይ፡ ወይ ንኣስማት ከም ዘይጓዳእ ገይሩ ብዜቕርብ መዛናግዒ እዘናጋዕ ድየ፧’ ካብቲ የሆዋ ዚጸልኦ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንርሕቕ ኣሎና።—መዝ 97:10።

ነታ ‘ንድያብሎስ ተጻረርዎ’ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣብ ኢዱ ኽታብ እተኣስረሉ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሕጻን። ብድሕሪት ድማ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ኣደ እቲ ቈልዓ፡ ምስቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑላ ሰብ ሓዳር።

    ነታ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ፓሌሳ፡ እንታይ ጸገም እዩ ኣጋጢምዋ፧

  • እቶም ሰብ ሓዳር ምስታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑላ ዀይኖም ካብ ክልተ ሽማግለታት ሓገዝ ይሓትቱ።

    ምስ መናፍስትነት እተተሓሓዘ ነገር ኬጋጥም ከሎ፡ ሓገዝ ሽማግለታት ምሕታት ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • እታ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ኢድ ሕጻን ዝነበረ ኽታብ ተንድዶ።

    ንድያብሎስ ተጻረሮ፡ ንኣምላኽ ድማ ቅረቦ።—ያእ 4:7, 8

    እቶም ዕቝባ የሆዋ ዚደልዩ፡ ካብ ምንታይ እዮም ምሉእ ብምሉእ ኪርሕቑ ዘለዎም፧

  • ፓሌሳ እንታይ ቈራጽ ስጕምቲ እያ ወሲዳ፧

  • ኣብ ከባቢኻ፡ ገለ ኻብቲ ኻብ ጽልዋ ኣጋንንቲ እትርሕቐሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ