ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ሚያዝያ ገጽ 2-3
  • 6-12 ሚያዝያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 6-12 ሚያዝያ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • የሱስ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ሚያዝያ ገጽ 2-3

6-12 ሚያዝያ

ሰሉስ 7 ሚያዝያ 2020​—በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ

በብዓመቱ ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ፡ ብዙሓት ክርስትያናት ብዛዕባ እተን የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዘርኣዩና ኽልተ ዓበይቲ መግለጺ ፍቕሪ የስተንትኑ እዮም። (ዮሃ 3:16፣ 15:13) ነዚ ሰሌዳ እዚ ተጠቒምካ፡ ንጸብጻባት ወንጌል እቲ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት ክትምርምሮ ትኽእል ኢኻ። እዚ ፍጻመታት እዚ፡ ኣብታ የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ክፋል 6 ተገሊጹ ኣሎ። ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ክርስቶስን ብኸመይ ኪድርኸካ እዩ፧—2ቈረ 5:14, 15፣ 1ዮሃ 4:16, 19።

የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ብኣድንቖት እናረኣይዎ ናብ ሰማይ ይዓርግ።

ንኣምልኾ ስድራ ቤት ዚኸውን ሓሳብ

ነታ 1ይን 2ይን ክፋል ዘለዋ፡ ‘ኣምላኽ ብርግጽ ጐይታን ክርስቶስን ገይርዎ’ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣይዋ እሞ ድሕሪኡ ተመያየጡላ።

የሱስ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት

ግዜ

ቦታ

ፍጻመ

ማቴዎስ

ማርቆስ

ሉቃስ

ዮሃንስ

33፡ 8 ኒሳን (1-2 ሚያዝያ 2020)

ቢታንያ

የሱስ፡ ሽዱሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ኣብኡ በጽሐ

11:55–12:1

9 ኒሳን (2-3 ሚያዝያ 2020)

ቢታንያ

ማርያም ንርእሱን ንኣእጋሩን ዘይቲ ለኸየት

26:6-13

14:3-9

12:2-11

ቢታንያ-ቤት-ፋጌ-የሩሳሌም ብዓጀባ

ናብ የሩሳሌም ኣተወ፣ ኣድጊ ተወጥሐ

21:1-11, 14-17

11:1-11

19:29-44

12:12-19

10 ኒሳን (3-4 ሚያዝያ 2020)

ቢታንያ-የሩሳሌም

ንኦም በለስ ረገማ፣ ካልኣይ ሳዕ ንቤተ መቕደስ ኣጽረያ

21:18, 19; 21:12, 13

11:12-17

19:45, 46

የሩሳሌም

ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ንየሱስ ኪቐትልዎ ተማኸሩ

11:18, 19

19:47, 48

የሆዋ ተዛረበ፣ የሱስ ብዛዕባ ሞቱ ተነበየ፣ ኣይሁድ ብዘይምእማኖም ትንቢት ኢሳይያስ ተፈጸመ

12:20-50

11 ኒሳን (4-5 ሚያዝያ 2020)

ቢታንያ-የሩሳሌም

ካብታ ዝነቐጸት ኦም በለስ እተረኽበ ትምህርቲ

21:19-22

11:20-25

የሩሳሌም፡ ቤተ መቕደስ

ብዛዕባ ስልጣኑ ሕቶ ቐረበ፣ ምሳሌ ኽልተ ደቂ

21:23-32

11:27-33

20:1-8

ምሳሌታት፦ ቀተልቲ ዝዀኑ ሓረስቶት፡ መርዓ

21:33–22:14

12:1-12

20:9-19

ብዛዕባ ኣምላኽን ቄሳርን ትንሳኤን ዝዓበየት ትእዛዝን ዝቐረበሉ ሕቶታት መለሰ

22:15-40

12:13-34

20:20-40

ነቶም ህዝቢ፡ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እንተ ዀይኑ ሓተቶም

22:41-46

12:35-37

20:41-44

ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ወይለኦም

23:1-39

12:38-40

20:45-47

መባእ ሓንቲ መበለት ኣስተብሃለ

12:41-44

21:1-4

ደብረ ዘይቲ

ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ምልክት ሃበ

24:1-51

13:1-37

21:5-38

ምሳሌታት፦ ዓሰርተ ደናግል፡ ታለንት፡ ኣባጊዕን ኣጣልን

25:1-46

12 ኒሳን (5-6 ሚያዝያ 2020)

የሩሳሌም

መራሕቲ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ተማኸሩ

26:1-5

14:1, 2

22:1, 2

ይሁዳ ኣሕሊፉ ኺህቦ ተወዓዓለ

26:14-16

14:10, 11

22:3-6

13 ኒሳን (6-7 ሚያዝያ 2020)

ጥቓን ኣብን የሩሳሌም

ምድላዋት ናይ መወዳእታ ፋስጋ

26:17-19

14:12-16

22:7-13

14 ኒሳን (7-8 ሚያዝያ 2020)

የሩሳሌም

ምስ ሃዋርያት ፋስጋ በልዐ

26:20, 21

14:17, 18

22:14-18

ኣእጋር ሃዋርያት ሓጸበ

13:1-20

የሱስ፡ ይሁዳ ኸዳዕ ምዃኑ ሓቢሩ ኻብ መንጎኦም ኣውጽኦ

26:21-25

14:18-21

22:21-23

13:21-30

ድራር ጐይታ ሰርዐ (1ቈረ 11:23-25)

26:26-29

14:22-25

22:19, 20, 24-30

ጴጥሮስ ከም ዚኽሕድን ሃዋርያት ከም ዚብተኑን ተነበየ

26:31-35

14:27-31

22:31-38

13:31-38

ሓጋዚ ኸም ዚልእከሎም ኣተስፈዎም፣ ምሳሌ ናይ ሓቂ ተኽሊ ወይኒ፣ ኪፋቐሩ ኣዘዘ፣ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ሃዋርያት ጸለየ

14:1–17:26

ጌተሴማኔ

ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ተሳቐየ፣ የሱስ ኣሕሊፍካ ተዋህበን ተታሕዘን

26:30, 36-56

14:26, 32-52

22:39-53

18:1-12

የሩሳሌም

ብሃና ተሓትተ፣ ብቀያፋን በቲ ዋዕላን ተመርመረ፣ ጴጥሮስ ከሓዶ

26:57–27:1

14:53–15:1

22:54-71

18:13-27

ይሁዳ እቲ ኸዳዕ ተሓንቀ (ግብ 1:18, 19)

27:3-10

ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ፡ ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚ ሄሮድስ፡ ከም ብሓድሽ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ

27:2, 11-14

15:1-5

23:1-12

18:28-38

ጲላጦስ ኪፈትሖ እኳ እንተ ደለየ፡ ኣይሁድ በርባን ኪፍትሓሎም ለመኑ፣ የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኪስቀል ተፈርዶ

27:15-30

15:6-19

23:13-25

18:39–19:16

(ከ.3:00 ድ.ቀ.)

ጐልጎታ

ኣብ ጕንዲ ስቅያት ሞት

27:31-56

15:20-41

23:26-49

19:16-30

የሩሳሌም

ንሬሳኡ ኻብ ጕንዲ ስቅያት ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣንበርዎ

27:57-61

15:42-47

23:50-56

19:31-42

15 ኒሳን (8-9 ሚያዝያ 2020)

የሩሳሌም

ካህናትን ፈሪሳውያንን ነቲ መቓብር ሓለውቲ ገበሩሉን ሓተምዎን

27:62-66

16 ኒሳን (9-10 ሚያዝያ 2020)

የሩሳሌምን ከባቢኣን፣ ኤማሁስ

የሱስ ተንስአ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ሓሙሽተ ሳዕ ተራእዮም

28:1-15

16:1-8

24:1-49

20:1-25

ድሕሪ 16 ኒሳን

የሩሳሌም፣ ገሊላ

ደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ሳዕ ተራእዮም (1ቈረ 15:5-7፣ ግብ 1:3-8)፣ ኣዘዞም፣ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ መዘዞም

28:16-20

20:26–21:25

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ