ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ያእቆብ 1-2 መገዲ ሓጢኣትን ሞትን 1:14, 15 ዘይግቡእ ሓሳባት ናብ ኣእምሮኻ ኺኣቱ ኸሎ፡ ነዚ ዚስዕብ ግበር፦ ናብ ካልእ ነገር ከተተኵር ሓያል ጻዕሪ ግበር።—ፊል 4:8 ብዛዕባ እቲ ኣብ ፈተና ምስ ወደቕካ ኼጋጥመካ ዚኽእል ጐዳኢ ሳዕቤን ኣስተንትን።—ዘዳ 32:29 ጸሊ።—ማቴ 26:41 ዘይግቡእ ሓሳባት ኪመጸካ ኸሎ፡ ነዚ ንምቕያር ብዛዕባ እንታይ ሃናጺ ነገራት ክትሓስብ ትኽእል፧