ክርስትያናዊ ህይወት
“ብቐጻሊ ሕሰቡ”
ብዛዕባ እንታይ፧ ፊልጲ 4:8 ብዛዕባ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ጽድቂ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ዚዝረበሉ ዘበለ፡ ሕያውነት ዘበለ ኽንሓስብ ከም ዘሎና ትዛረብ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ክርስትያናት ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣርእስትታት ጥራይ ኪሓስቡ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ምስትንታን ልብና ንየሆዋ ዜሐጕስ ኪኸውን ኣለዎ እምበር፡ ነቲ ንየሆዋ እሙናት ንምዃን ዝገበርናዮ ቘራጽነት ዜዳኽም ኪኸውን የብሉን።—መዝ 19:14።
ዘይጥዑይ ሓሳባት ንምውጋድ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ዘይፍጹም ስጋና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስቲ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ” ዝዀነ ሰይጣን እውን ክንቃለስ ኣሎና። (2ቈረ 4:4) ከመይሲ፡ ሰይጣን ንመራኸቢ ብዙሓን ዓለም፡ ማለት ንመብዛሕትኡ ኣብ ተሌቪዥንን ኣብ ረድዮን ኣብ ኢንተርነትን፡ ኣብ ሕትመትን ዚወጽእ ነገራት ስለ ዚቈጻጸሮ፡ ኣዝዩ ተበላሽዩ እዩ ዘሎ። ንኣእምሮና እንመልኦ ነገራት መረጽቲ እንተ ዘይኴንና፡ ኣተሓሳስባና ይበላሾ፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ኣካይዳና ይቕየር።—ያእ 1:14, 15።
ነታ ተኣማንነትካ ዜዳኽም ዘበለ ኣወግድ—ዘይግቡእ መዘናግዒ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
እቲ ሓው ኣብ ሞባይሉ እንታይ እዩ ዚርኢ ነይሩ፧ እዚኸ ብኸመይ ጸልይዎ፧
ካብ ገላትያ 6:7, 8 ከምኡ እውን መዝሙር 119:37 ብኸመይ ሓገዝ ረኺቡ፧