ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧ ዘርእስታ ትራክት ብቱቫሉኛ ይዕድል
ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ንቕሑ!
ሕቶ፦ ንሓደጋታት ክትዳለወሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ጥቕሲ፦ ምሳ 27:12
መፋለጢ፦ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ቅድሚ ሓደጋን ኣብ እዋን ሓደጋን ድሕሪ ሓደጋን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ትገልጽ።
ሓቂ ምሃር
ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧ (T-35)
ሕቶ፦ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሓያሎ ቕኑዓት ሰባት፡ ብልዕን መስተን ብምድላው ንምዉታት ኣብ ዓዓመት ይዝክርዎም እዮም። ሞይቶም ንዘለዉ ሰብና ኽንረኽቦም እንኽእልዶ ይመስለካ፧
ጥቕሲ፦ ግብ 24:15
መፋለጢ፦ እዛ ትራክት እዚኣ፡ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ እንታይ ጥቕሚ ኼምጽኣልካ ኸም ዚኽእል ትገልጽ። [እንተ ተኻኢሉ፡ ነታ ንምዉታት ተስፋ ኣለዎምዶ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ።]
ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ
ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።