ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ሚያዝያ ገጽ 2
  • ብሓጐስ ንቀበሎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብሓጐስ ንቀበሎም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብቲ ዝኽሪ ከም ዘይጋየሹ ግበርዎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ሓያል ምስክርነት ኪወሃብ እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ንኣጋይሽና ብሓጐስ ንቀበሎም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ብሓጐስ ተቐበሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ሚያዝያ ገጽ 2

ክርስትያናዊ ህይወት

ብሓጐስ ንቀበሎም

ንመን ኢና ብሓጐስ እንቕበሎም፧ ንዅሎም እቶም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ዚካፈሉ ሓደስቲ ይኹኑ፡ ነዊሕ እዋን ዝገበሩ ፈተውትና። (ሮሜ 15:7፣ እብ 13:2) ሓደ ኻብ ካልእ ሃገር ኪበጽሕ ዝመጸ ኣማኒ ብጻይና ወይ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ኣኼባ ዝመጸ ዘይንጡፍ ክርስትያን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከመይ ከም ዚስምዓካ እሞ ገምቶ። ምዉቕ ሰላምታ ኽትህቦ ኣይምተደረኽካንዶ፧ (ማቴ 7:12) ስለዚ፡ ቅድሚ ኣኼባን ድሕሪ ኣኼባን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እናዞርካ፡ ንኻልኦት ሰላም ንምባል ስለምንታይ ሓያል ጻዕሪ ዘይትገብር፧ ከምዚ ምግባር ምዉቕን ፍቕራውን ሃዋህው ከም ዚሰፍን ይገብር፡ ንየሆዋ ድማ ክብሪ የምጽኣሉ። (ማቴ 5:16) ሓቂ እዩ፡ ኣብቲ ኣኼባ ንዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብብሕቲ ኸተዘራርቦ ኣይከኣልን ይኸውን። ኵላትና እጃምና እንተ ደኣ ኣበርኪትና ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጽቡቕ ኪስምዖ እዩ።a

ምቕባል ኣጋይሽ፡ ከም በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝኣመሰለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ እዩ ኺግበር ዘለዎ። ሓደስቲ ሰባት፡ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ብግብሪ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ንኣምላኽ ኪውድስዎ ይድረኹ፡ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ድማ ይሓብሩና።—ዮሃ 13:35።

a ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኣኼባ ዚመጹ እተወገዱ ወይ ርእሶም ዘግለሉ ሰባት፡ ሰላም ክንብሎም ከም ዘይብልና ይገልጽ እዩ።—1ቈረ 5:11፣ 2ዮሃ 10።

ሓደ ሓው ንሓደስቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይቕበሎም

ሓደስቲ ሰባት ንምሕጋዝ ዝቐረበ ሓሳባት

  • ስምካ ንገሮም፡ ስሞም እውን ሕተቶም

  • ምሳኻ ኾፍ ኪብሉ ዓድሞም

  • መጽሓፍ ቅዱስካን መጽሓፍ መዝሙርካን ኣርእዮም

  • ድሕሪ ኣኼባ ንሕቶታቶም ክትምልሰሎም ድልዊ ኹን

  • ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ሓሳብ ኣቕርበሎም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ