ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 1-10
ምስ የሆዋ ሰላም ምእንቲ ኺህልወና ንወዱ የሱስ ከነኽብሮ ኣሎና
ንየሆዋን ንየሱስን ጽልኢ ብዛዕባ ዜሕድሩ ሰባት ብትንቢት ተነጊሩ ነበረ
ህዝብታት ንናይ ገዛእ ርእሶም ስልጣን እምበር፡ ንስልጣን የሱስ ከም ዘይቅበልዎ ብትንቢት ተነጊሩ ነበረ
እዚ ትንቢት እዚ፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተፈጺሙ እዩ፣ ሎሚ ድማ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ይረክብ ኣሎ
ጸሓፊ መዝሙር ምዕራፍ 2፡ “ህዝብታትሲ ኸንቱ ኣዕዘምዚሞም” ኪብል ከሎ፡ ዕላማኦም ባዶ ኸም ዝዀነን ከም ዚፈሽልን እዩ ዚገልጽ ነይሩ
እቶም ብየሆዋ ንእተቐብአ ንጉስ ዜኽብሩ ጥራይ ህይወት ኪረኽቡ እዮም
ኵሎም እቶም ንመሲሓዊ ንጉስ ዚጻረሩ ዘበሉ ኺጠፍኡ እዮም
ሰባት ንወዱ የሱስ ብምኽባር፡ ሰላምን ዕቝባን ኪረኽቡ ይኽእሉ