መደብ 21 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
21 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 4ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 4 ሕ.ጽ. 12-21፡ ኣብ ገጽ 42 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ዜና መዋእል 20-24 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 2 ዜና መዋእል 20:13-20 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ኣስቴር—ፍረ ነገር፦ ናይ ሓቂ ጽባቐ ብኸመይ ከም ዚርአ—w11 1/10 18-23 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ ኣላ—td 1ሀ (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ።”—ግብ. 14:22።
5 ደቒቕ፦ ሳጹን ሕቶ። መደረ።
10 ደቒቕ፦ ንልግሲ የሆዋ ሞሳ ኣርኢ። ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2015 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 14-15 ኣብ ዘሎ ሓሳባት ተመርኲስካ፡ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ።
15 ደቒቕ፦ “ጐራሓት ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ።” (ማቴ. 10:16) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2015 (እንግሊዝኛ)፡ ካብ ገጽ 72፡ ሕጡብ ጽሑፍ 5፡ ክሳዕ ገጽ 73፣ ድሕሪኡ ድማ፡ ገጽ 111-116 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሰማዕቲ፡ ካብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
መዝሙር 33ን ጸሎትን