ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 26 ጥቅምቲ 2015 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ።
እቲ ኣብ 2 ነገስት 13:18, 19 ዚርከብ ጸብጻብ፡ ንኣምላኽ ብቕንኣትን ብምሉእ ልብን ምግልጋል ኣገዳሲ ምዃኑ ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧ [7 መስ.፡ w10 15/4 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 11]
ዮናስ ነብዪ ዀይኑ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዝነበረ መን እዩ፧ ብመሰረት እቲ ኣብ 2 ነገስት 14:23-25 ተመዝጊቡ ዚርከብ ጸብጻብ፡ ንኣየናይ ዮናስ ዝገበሮ ኣገልግሎት ኢና ኸነማስወሉ እንኽእል፧ [7 መስ.፡ w09 1/1 ገጽ 25 ሕ.ጽ. 4]
ኣሃዝ ኣብቲ ብኢሳይያስ እተነግረ ቓል ኣምላኽ እምነት ከም ዘይብሉ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ኣገዳሲ ውሳነ ኽንገብር ከለና ንርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትታ ዚግብኣና፧ (2 ነገ. 16:7) [14 መስ.፡ w13 15/11 ገጽ 17 ሕ.ጽ. 5]
ሎሚ ዘለዉ ተጻረርቲ ሕዝቢ ኣምላኽ፡ ንኣየናይ ራብሳቀ እተጠቕመሉ ብልሓት እዮም ዚጥቀሙ፧ ተጻረርቲ ንዜቕርብዎ ናይ ሓሶት ምኽንያታት ንኽንነጽጎ ኽትሕግዘና እትኽእል ኣየነይቲ ባህርይ እያ፧ (2 ነገ. 18:22, 25) [14 መስ.፡ w10 15/7 ገጽ 13 ሕ.ጽ. 3-4]
እቲ ዮስያስ ትሕትና ብምርኣይ ዝመጸ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን መጽናዕትን ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (2 ነገ. 22:19, 20) [21 መስ.፡ w00 1/3 ገጽ 30 ሕ.ጽ. 2]
እቲ ኣብ ስነ ጥንቲ እተገብረ ምርምር፡ እቶም ኣብ 2 ነገስት 25:27-30 ተጠቒሶም ዚርከቡ ኽልተ ነገስታት ብሓቂ ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ብኸመይ እዩ ኣረጋጊጹ፧ [28 መስ.፡ w12 1/6 ገጽ 5 ሕ.ጽ. 2-3]
ያዕቤጽ እንታይ ሰለስተ ልማኖ እዩ ንየሆዋ ኣቕሪቡሉ፧ እዚኸ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ይምህረና፧ (1 ዜና 4:9, 10) [5 ጥቅ.፡ w10 1/10 ገጽ 23]
እቲ ኣብ 1 ዜና መዋእል 5:18-22 ተገሊጹ ዘሎ ውጽኢት ውግእ፡ ኣብቲ እንገብሮ መንፈሳዊ ውግእና ጸኒዕና ንኽንቅጽል ዜተባብዓና ብኸመይ እዩ፧ [12 ጥቅ.፡ w05 1/10 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 7]
ዳዊት ነቲ ንቕድስና ደም ዚምልከት ሕጊ የሆዋ ኺርድኦን ኬኽብሮን ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ዳዊት ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ንኽንገብር እዩ ዚድርኸና፧ (1 ዜና 11:17-19) [19 ጥቅ.፡ w12 15/11 ገጽ 6-7 ሕ.ጽ. 12-14]
ዳዊት ንታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ኬምጽኦ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እንታይ ከይገበረ እዩ ተሪፉ፧ ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንምሃር ንኽእል፧ (1 ዜና 15:13) [26 ጥቅ.፡ w03 1/5 ገጽ 10-11 ሕ.ጽ. 11-13]