መደብ 26 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
26 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 15ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 1 ሕ.ጽ. 10-18፡ ኣብ ገጽ 13 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ዜና መዋእል 12-15 (8 ደቒቕ)
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት (20 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ ‘ሱር ስደዱን ብእምነት ጽንዑን።’—ቈሎ. 2:6, 7።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ሕዳር ዚዕደል ጽሑፋት። ምይይጥ። ትራክትታትን ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ዘርእስታ መጽሓፍን ኬበርክቱ ኣተባብዓዮም። ካብታ “ብሓድሽ መልክዕ እተዳለዋ ትራክትታት” እትብል ዓንቀጽ ናይ ሚያዝያ 2014 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ዚሰማማዕ ነጥብታት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ነቲ ኽሊ ዚሰማማዕ መርኣያ ኸም ዚቐርብ ድማ ግበር።
20 ደቒቕ፦ “ቃል ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ሓይሊ ኣለዎዶ፧” መደረ። ሓጺር መእተዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ፡ ኣብታ ንኣምላኽ ኣምልኽ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3፡ ሕጡብ ጽሑፍ 7 ክሳዕ ሕጡብ ጽሑፍ 13 ዘሎ ሓሳባት ተመያየጠሉ። ንቓል ኣምላኽ ብምስትንታን፡ ኣብ ብሕታዊ ናብራና ኽንትግብሮ እንኽእል ስርዓታት ንኽንመርጽ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ኣጕልሕ። ኣብ መደምደምታ፡ ኵላቶም መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ኪጥቀሙ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 37ን ጸሎትን