መደብ 19 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
19 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 54ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 1 ሕ.ጽ. 1-9፡ መቕድም (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ዜና መዋእል 8-11 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 1 ዜና መዋእል 11:15-25 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2: ኤልያስ—ፍረ ነገር፦ ንሓይሊ ጸሎት ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ—w08 1/4 17-20 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3: ጥንቈላ፡ ግብሪ ኣጋንንቲ ስለ ዝዀነ፡ ከነርሕቖ ኣሎና—td 40መ (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ ‘ሱር ስደዱን ብእምነት ጽንዑን።’—ቈሎ. 2:6, 7።
20 ደቒቕ፦ “ልቢ እቶም እንምህሮም ብኸመይ ንትንክፍ።” ሕቶታትን መልስታትን። ክልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዚቐርብ ግበር። ሓንቲ ብዓልቲ ቤት፡ ወዳ ኸም ዝሞተን ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎን ትዛረብ። ኣብቲ ቐዳማይ መርኣያ፡ እቲ ኣስፋሒ ነቲ ኣብ መክብብ 9:5 ዚርከብ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ዚገልጽ ጥቕሲ የንብበላ። እታ ብዓልቲ ቤት በዚ ጥቕሲ እዚ ስለ ዘይተጸናንዐት፡ ኣሉታዊ ብዝዀነ መገዲ ትምልሰሉ። ኣብቲ ኻልኣይ መርኣያ፡ እቲ ኣስፋሒ ንዮሃንስ 5:28, 29 ብምንባብ፡ ብሜላ ናብ ተስፋ ትንሳኤ ኸም እተቕልብ ይገብር፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣዝዩ ዝሓሸ ምላሽ ይረክብ።
10 ደቒቕ፦ መንእሰያት ኩኑ ዓበይቲ ብዘየገድስ ንኻልኦት ሰናይ ኣብነት ኩኑ። (ፊል. 3:17፣ 1 ጢሞ. 4:12) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2015 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 71፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2፡ ክሳዕ ገጽ 72 ሕጡብ ጽሑፍ 4፣ ከምኡ እውን ገጽ 76-77 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሰማዕቲ፡ ካብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
መዝሙር 4ን ጸሎትን