ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ኼማዕብሉ ኣሰልጥኖም
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ መንፈሳዊ ብስለት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ንልቦምን ንኣእምሮኦም ብመሰረታዊ ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ብዝዀነ ነገራት ኪመልእዎ ይግብኦም። (እብ. 5:12–6:1) መጽናዕቲ ጻዕሪ ይሓትት እዩ። እዚ ድማ ንሓድሽ ሓበሬታ ምስቲ ድሮ ዝነበረካ ፍልጠት ምትሕሓዝን ነቲ ዘለዎ ግብራዊ ጥቕሚ ምስትውዓልን የጠቓልል። (ምሳ. 2:1-6) ተምሃሮ ናይ ብሕቲ ምርምር ብኸመይ ከም ዚግበር ምስ ዚምሃሩ፡ ንክርስትያናዊ ሕታማትና ተጠቒሞም ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምልሱ ኪኽእሉ እዮም።። ንእተማህርዎ ነገራት ንምትግባር ልባዊ ጻዕሪ ምስ ዚገብሩ፡ ከም ክርስትያናት መጠን ንዜጋጥሞም ፈተናታት ንኺጻወርዎ ኼዕጥቖም እዩ።—ሉቃ. 6:47, 48።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
ኣብ መወዳእታ ንኡስ ኣርእስቲ ወይ ምዕራፍ፡ ንተምሃራይካ ነቲ እተማህሮ ብሒደት ምሉእ ሓሳባት ጸሚቝ ኬቕርቦ ሕተቶ። ተምሃራይ ዘይብልካ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እተወሰነ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ድማ ካብ ግምቢ ዘብዐኛ ሓንቲ ሕጡብ ጽሑፍ ብሒደት ምሉእ ሓሳባት ጽሙቝ ኣቢልካ ብምቕራብ፡ ናይ ርእስኻ ናይ ምንባብ ክእለት ኣመሓይሽ።