ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 31 ነሓሰ 2015 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ።
ካብቲ ሰሎሞን ዘቕረቦ ጸሎት፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ንእምነትና ዜደልድል ሓቅታት ኢና እንረክብ፡ ብዛዕባ እዚ ሓቅታት እዚ ምስትንታንናኸ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧ (1 ነገ. 8:22-24, 28) [6 ሓም.፡ w05 1/7 ገጽ 30 ሕ.ጽ. 3]
ዳዊት “ብንጽህና ልቢ” ብምምልላሱ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ንሕና እውን ከምኡ ንኽንገብር ዜተባብዓና ብኸመይ እዩ፧ (1 ነገ. 9:4) [13 ሓም.፡ w12 15/11 ገጽ 7 ሕ.ጽ. 18-19]
ካብቲ የሆዋ ንኤልያስ ናብታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ከም ዝለኣኾ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧ (1 ነገ. 17:8-14) [27 ሓም.፡ w14 15/2 ገጽ 14]
ብዛዕባ እቲ ኣብ 1 ነገ. 17:10-16 ዚርከብ ጸብጻብ ምስትንታንና፡ ነቲ ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ንኺህልወና ዝገበርናዮ ቘራጽነት ዜደልድለልና ብኸመይ እዩ፧ [27 ሓም.፡ w14 15/2 ገጽ 13-15]
ካብቲ ኤልያስ ምስ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስምዒት ብምቅላስ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧ (1 ነገ. 19:4) [3 ነሓ.፡ ia ገጽ 102-103 ሕ.ጽ. 10-12፣ w14 15/3 ገጽ 15 ሕ.ጽ. 15-16]
የሆዋ፡ እቲ እሙን ነብዪኡ ዝነበረ ኤልያስ ተስፋ ቘሪጹ ምስ ረኣዮ፡ ከመይ ተሰምዖ፧ ንሕናኸ ነዚ ፈቃር ኣምላኽና ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ (1 ነገ. 19:7, 8) [3 ነሓ.፡ w14 15/6 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 15-16]
ንጉስ ኣከኣብ እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ዝነበሮ፧ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናትከ ኸምኡ ዓይነት ጌጋ ኻብ ምግባር ኪርሕቁ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (1 ነገ. 21:20) [10 ነሓ.፡ lv ገጽ 164-165፡ ሳጹን፣ w14 1/2 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 3-4]
ካብቲ ኤልሳእ ንኤልያስ ዘቕረቦ ለመና እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ እዚኸ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ዕዮ ምስ ዚውሃበና ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (2 ነገ. 2:9, 10) [17 ነሓ.፡ w03 1/11 ገጽ 31 ሕ.ጽ. 5-6]
መንእሰያት ንእምነትን ትብዓትን እታ ኣብ 2 ነገስት 5:1-3 ተጠቒሳ እትርከብ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ኪቐድሕዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ [24 ነሓ.፡ w12 15/2 ገጽ 12-13 ሕ.ጽ. 11]
ኣብዚ ግዜ መወዳእታ፡ ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ነየኖት ባህርያት የሁ እዮም ኪቐድሕዎ ኺጽዕሩ ዘለዎም፧ (2 ነገ. 10:16) [31 ነሓ.፡ w11 15/11 ገጽ 5 ሕ.ጽ. 4]