ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ዝሓለፈ ዓመት 24 ኣኼባ ዞባ ጌርና፣ ብድምር 16,609 ተኣከብቲ፡ 293 ከኣ ተጠመቕቲ ነይሮም። ብድምር 2,026 ስሩዓት ፈለምቲ ብንጥፈት ኣገልጊሎም እዮም። ካብቲ ብጽቡቕ እተዳለወ ትራክትታትና፡ ልዕሊ 200,000 ተበርኪቱ፡ ተገዳስነት ንዘለዎም ሓያሎ ሰባት ከኣ ምስክርነት ተዋሂቡ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልና ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ይርእዩ እዮም። በዚ ኸምዚ ዜደንቕ ምስክርነት ይውሃብ ኣሎ።
ኣብ ክልና እተፈጸመ ኻልእ ጕሉሕ ነጥቢ ኸኣ ኣሎ። ብ13 ታሕሳስ 2014 ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጀፍሪ ጃክሰን ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብምሉኡ ብኣምሓርኛ ተተርጒሙ ኸም ዝወጸ ኣበሰረ። ብኢንተርነት ንምክትታል መሰናድዎ ስለ እተገብረ፡ ብጠቕላላ ኣብ 59 ቦታታት እተረኽቡ 10,180 ተኣከብቲ፡ ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ብሓጐስ ተኸታቲሎምዎ እዮም። ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምሉኡ ብኣምሓርኛ ምውጻኡ ነቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ውዳሰን ክብርን ዜመጽኣሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ እዚ ትርጉም እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ብምዃኑ፡ ንኣሕዋትናን ንተገደስቲ ሰባትን ብዝያዳ ዚጠቅምን ዜሐጕስን እዩ።