ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ
“ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ንምልዕዓል ንጐረባብትና ንበጽሖም ኣሎና። ብዙሓት ሰባት ዘመናዊ ስነ ፍልጠት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይቅኑዕ ምዃኑ ኸም ዘረጋገጸ ዀይኑ ይስምዖም። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧ ኪእመን ዚኽእል ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብደረጃ ስነ ፍልጠት እውን ልክዕ ምዃኑ ዚሕብር ኣገዳሲ ኣብነት እሞ ርአ። [እዮብ 26:7 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ስነ ፍልጠትን መጽሓፍ ቅዱስን ብኸመይ ከም ዚሰማማዕን ንሓድሕዱ ብኸመይ ከም ዚደጋገፍን ትገልጽ።
ንቕሑ! ሰነ
“ብዙሓት ሰባት ስለ ዚሓምሙ፡ ነዚ ዚስዕብ ዜተባባዕ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነካፍል ንበጽሖም ኣሎና። [ኢሳይያስ 33:24ሀ ኣንብብ።] ፈጺምና እንተ ዘይንሓምም ኔርና፡ እንታይ ዓይነት ፍሉይ ህይወት ምሃለወና ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዚ ትንቢት እዚ ኽሳዕ ዚፍጸም ግና፡ ጥዕናና ንምምሕያሽ ክንገብሮ እንኽእል ሓሙሽተ መሰረታዊ ነገራት ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ተሓቢሩ ኣሎ።”