መደብ 4 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
4 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 51ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 10 ¶8-13 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 4-6 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 4:17-33 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ዘመናዊ ናይ እምነት ምፍዋስ፡ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘሎካ ዜረጋግጽ ኣይኰነን—td 17ሐ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኣንጻር የሆዋ ዝቐረበ ኽሲ—ንጽህናናን ጕዳይ ልዑላውነትን—w08 15/12 ገጽ 4 ¶9–ገጽ 6 ¶12 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ነሓሰ ዚዕደል መጽሔታት። ምይይጥ። ነቲ ኣብዚ ገጽ እዚ ዘሎ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ተጠቒምካ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ፍሉይ ወፈራ ኣብ እንካፈለሉ እዋን፡ እተን መጽሔታት ብኸመይ ኪዕደላ ኸም ዚኽእላ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ድሕሪኡ፡ ሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሓሳብ ኪህቡለን ዓድሞም። ኣብ ነሓሰ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ነዘን መጽሔታት እዚአን እንዕድል ስለምንታይ ኢና፧ እዚ ኣድላዪ ዚዀነሉ እንታይ ካልእ ኣጋጣሚታት ኣሎ፧
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ ወይ “ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ዚርከብ ሓጐስ” (1 ቈረ. 3:8) ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጅማር ንዝረኸብዎ ተመክሮ ኼዘንትዉ፡ ንኽልተ ኣስፋሕቲ ቓለ መጠይቕ ግበረሎም። “እንታይ ኣለዓዒሉኩም፧” “ኣሳልጦ ንኽትረኽቡ ዝሓገዘኩም እንታይ እዩ፧” ኢልካ ሕተቶም። ተገዳስነት ንዘርኣዩ ሰባት ተመሊሶም ኪበጽሕዎም፡ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ዓሚምና፧ ምይይጥ። ኣስፋሕቲ ኻብቲ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ዝርርብ ብኸመይ ከም እትጅምር” ዚብል ክፋል ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ኺገልጹ ዓድሞም። ጽቡቕ ተመክሮ እንተ ኣልይዎም ንኼዘንትዉ ድማ ሕተቶም።
መዝሙር 28ን ጸሎትን