ምልክታታት
◼ ሓምለ፦ ብስራት ኣምላኽ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ከኣ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ። (ብሮሹር ንኣምላኽ ስምዓዮ፡ ብዙሕ ትምህርቲ ንዘይብሎም ወይ ከኣ ፈጺሞም ንዘይተማህሩ ኽትጥቀሙላ ትኽእሉ ኢኹም። እዚኣቶም ንሕጻናት እውን የጠቓልሉ እዮም።) ነሓሰ፦ ትራክትታት ወይ ሓንቲ ኻብዘን ዚስዕባ ብሮሹራት፦ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፡ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፡ ወይ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ! ኣብ መኽዘንኩም ዚርከብ ንኣገልግሎት ዚኸውን፡ ቅድሚ 2011 እተሓትመ ኻልእ ብሮሹራት እውን ኪብርከት ይከኣል እዩ። መስከረምን ጥቅምትን፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን።
◼ ኣብቲ ጽሑፋትና ዚቕመጠሉ መኽዘን ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚርከብ ሓደስቲ ጽሑፋት፦ ትራክትታት ቍ. 30, 31, 32, 33, 34, 35 ብሶማልኛ።