መደብ 14 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
14 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 1ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 9 ¶8-13 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሌዋውያን 21-24 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘሌዋውያን 23:1-14 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ምጽኣት ክርስቶስ፡ በቲ ጭቡጥ ኵነታት ይፍለጥ—td 16ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ቅብልቲ ጊዜ—ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ንግዜኻ ብጥበብ ምጥቃም—w10 15/12 ገጽ 12 ¶5–ገጽ 13 ¶9 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ነሓሰ ንዚግበር ፍሉይ ወፈራ ተዳሎ። ነታ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧ ዘርእስታ ሓዳስ ትራክት ንዘይብሎም ሰባት ሓሓንቲ ቕዳሕ ዓድሎም። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ንመርኣያ ዚኸውን ኣቀራርባ ተጠቒምካ፡ ክልተ መርኣያ ኸም ዚቐርብ ግበር። ፈለማ እታ ትራክት ንመብዛሕትኦም ሰብ ቤት ብኸመይ ከም እትዕደል ኣርኢ። ድሕሪኡ፡ ተገዳስነት ንዘርኣየ ወይ ኪዛረብ ንዝደለየ ብዓል ቤት ብኸመይ ከም እተበርክተሉ ኣርኢ። ኣብቲ ወፈራ ምሉእ ብምሉእ ንኺካፈሉ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
5 ደቒቕ፦ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ተጠቐም። ምይይጥ። ንሰማዕቲ፡ ጥቕሲ ዕለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መዓስ ከም ዚምርምሩን ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ንዘርእስታ ጽሕፍቲ ምምርማሮም ብኸመይ ከም ዝጠቐሞምን ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
15 ደቒቕ፦ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ዝርርብ ብኸመይ ከም እትጅምር።” ምይይጥ። መርኣያ ኸም ዚቐርብ ግበር።
መዝሙር 16ን ጸሎትን