ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ታሕሳስ፡ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38 ዝዓደልናላ ወርሒ ወፈራ እያ ነይራ። ንዝገበርኩምዎ ጽቡቕ ተሳትፎ ኸኣ ክንንእደኩም ንፈቱ። ሓደ ኣስፋሒ ዘገልገሎ ገምጋም ሰዓታት 13.5 እዩ ነይሩ። እዚ ኣሃዝ እዚ ኻብ ነሓሰ 2011 ንነጀው እቲ ዝበለጸ ገምጋም እዩ። ብጠቕላላ 292,859 ትራክትታትን ብሮሹራትን ተበርኪቱ። እዚ ኸኣ ምክትታል ዜድልዮም ሓያሎ ተገደስቲ ኸም ዘለዉ ዚሕብር እዩ። ብዘይካዚ፡ 1,986 ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ስሩዓት ፈለምቲ ተርእዩ እዩ። እዚ ኸኣ ናብ 2000 ዚጽጋዕ እዩ።