ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ንዘለዉ ኣይትረስዓዮም
1. ኣብ መናበዪ ቦታታት ንዚነብሩ ኣረጋውያን ብስራት ከነብጽሓሎም ኣድላዪ ዚኸውን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
1 ቍጽሪ እቶም ብዕድመ ምድፋእ ዚደኽሙ ዘለዉ ሰባት እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። (መክ. 12:1-7) ገሊኦም ኣረጋውያን ኣብ መናበዪ ቦታታት ስለ ዚነብሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኬድና ኽንሰብኽ ከለና ኣይንረኽቦምን ኢና። እዚ ዅነታት እዚ፡ ኣረጋውያን ወለዲ ምስ ደቆም ወይ ምስ ካልኦት ኣዝማዶም ኪነብሩ ልሙድ ኣብ ዝዀነለን ሃገራት እውን ከይተረፈ ዚርአ ዘሎ ጕዳይ እዩ። ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዚነብሩ ሰባት፡ ምንቅስቓሶም ወይ ተዘክሮኦም ድሩት እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኺፈልጡን ኪርድኡን ንዕኡ ኼፍቅርዎን ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። እሞኸ ነዞም ኣረጋውያን እዚኦም፡ ብስራት እቲ “ዜሐጕስ ተስፋ” ምእንቲ ኽንነግሮም ብኸመይ ኢና ኽንበጽሖም እንኽእል፧—ቲቶ. 2:13።
2. ዝርዝር እቲ ንኣረጋውያን ክንክን ዚህብ ቦታታት ብኸመይ ኪርከብ ይከኣል፧
2 ነቲ ዕዮ ምጅማር፦ ዝርዝር እቲ ንኣረጋውያን ክንክን ዚህብ ቦታታት፡ ካብ መሐበሪ ተሌፎን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ኣብ መሐበሪ ተሌፎን፡ “ነርሲን ሆምስ” (መናበዪ ኣረጋውያን) “ግሩፕ ሆምስ” (ጕጅለ መናበዪ ኣረጋውያን) ከምኡ እውን “ረዚደንሻል-ኬር ፋሲሊቲስ” (ንተቐማጦ ክንክን ዚውሃበሉ ቦታ) ዚብል ክፋላት ርአ። ሓላው ኣገልግሎት፡ ነፍሲ ወከፍ እዚ ቦታታት ብብቑዓት ኣስፋሕቲ ኺብጽሓሉ ዚኽእል መደባት ኬውጽእ ይኽእል እዩ። ጽቡቕ መደብ ብምግባርን ኣብ የሆዋ ብምውካልን፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ይከኣል እዩ።—ምሳ. 21:5፣ 1 ዮሃ. 5:14, 15።
3, 4. (ሀ) ነቲ ብጕጅለ ዚግበር መጽናዕቲ ንኸነፋልጥ ንመን ኢና ኸነዘራርቦ ዘሎና፧ (ለ) ነቲ መጽናዕቲ እንገብረሉ መደብ ብኸመይ ከነብርሆ ንኽእል፧
3 እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እነፋልጠሉ መገዲ፡ ኣብ ኵነታት እቲ መናበዪ ኣረጋውያን እዩ ዚምርኰስ። ብዙሓት ኣረጋውያንን ሰራሕተኛታትን ኣብ ዚነብሩሉ ዓበይቲ መናበዪ ኣረጋውያን ክትበጽሕ ከለኻ፡ ነቲ ተቐባል ጋሻ ቐሪብካ፡ ምስቲ ሓላፊ ኼራኽበካ እንተ ሓተትካዮ ዝሓሸ እዩ። ኣብተን ሓደ ወይ ክልተ ኣለይቲ ጥራይ ዘለዉወን ሒደት ኣረጋውያን ጥራይ ዚነብሩለን ጕጅለ መናበዪ ኣረጋውያን ክትበጽሕ ከለኻ ግና፡ ብቐጥታ ምስቲ ብዓል ቤት ንኽትዘራረብ መደብ እንተ ገበርካ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
4 ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡን ኪመያየጡን ንዚደልዩ ሰባት ንምትብባዕ ግዜኻ ብፍታው ትህብ ከም ዘለኻ ግለጽ። ኣብ ሰሙን ን30 ደቒቕ ዚኸውን ብጕጅለ ኣብ ዚግበር ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ኪካፈሉ ዚደልዩ ኣረጋውያን እንተ ኣልዮም ሕተት። እተፈላለየ ሕታማት ክትጥቀም ትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡ መብዛሕትኦም ኣስፋሕቲ ግና እተን መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ከምኡ እውን ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘርእስተን መጻሕፍቲ ጽቡቕ ተቐባልነት ከም ዘለወን ኣስተብሂሎም እዮም። እቲ ሕታማት ነቲ ሓላፊ ኸተርእዮ ትኽእል ኢኻ። እቲ እትመጻሉ መዓልትን ሰዓትን እትእከበሉ ኽፍልን ምስኡ ዄንካ ኽትውስን ትኽእል ኢኻ፣ ከምዚ ምስ እትገብር እቲ መደብ ኣብቲ መናበዪ ኣረጋውያን ኣብ ዘሎ ዓውደ ኣዋርሕ ንጥፈታት ኪልጠፍ ይከኣል እዩ። ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ እውን ከይተሰከፍካ ንገሮም። ምስናይዚ እውን፡ ዕላማኻ፡ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምስፍሕፋሕ ደኣ እምበር፡ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ከም ዘይኰነ፡ ነቲ ሓላፊ ኸተርድኦ ጽዓር።
5. እንታይ ግብራዊ ርእይቶታት እዩ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ባህ ዜብልን ጠቓምን ኪገብሮ ዚኽእል፧
5 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ፦ እቲ መጽናዕቲ እትመርሓሉ መገዲ፡ ኣብ ኵነታትን ሃዋህውን እቲ መናበዪ ኣረጋውያን ስለ ዚምርኰስ፡ ተዓጻጻፍን መስተውዓልን ኩን። እቲ ነቲ መጽናዕቲ ዚመርሕ ኣስፋሒ እተፈላለየ ቕዳሓት እቲ ንመጽናዕቲ ዚጥቀመሉ ቕዳሕ ሒዙ ኺመጽእን ኣብ መደምደምታ እቲ መጽናዕቲ ድማ ኣኪቡ ኺወስዶን ኣለዎ። ንገሊኦም ኣረጋውያን ብፍሩይ እተጻሕፈ ቕዳሓት ክትማልኣሎም ኬድሊ ይኽእል እዩ። ከምቲ ዅሉ ሳዕ እንገብሮ፡ ሕጡብ ጽሑፋት ኪንበብ፡ ሕቶታት ኪሕተት፡ መልሲ ድማ ኪውሃብ ይከኣል እዩ። ነቶም ፍቓደኛታት ዚዀኑን ክእለት ዘለዎምን ኣረጋውያን፡ ሕጡብ ጽሑፋት ወይ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኼንብቡ ኽትሓቶም ትኽእል ኢኻ። ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ፍሽሕውን ኣወንታውን ምቕሉልን ኩን። ነቲ ሓላፊ ኣፍቂድካ ንሓደ ኻብቲ ብውድብ የሆዋ እተዳለወ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘሎካ እምነት ዜደልድል ወይ ካብ ሓደ ፍሉይ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ንእንመሃሮ ትምህርቲ ዜጕልሕ ቪድዮታት፡ ሓሓሊፍካ ኸተርእዮም ትኽእል ኢኻ። ነቲ መጽናዕቲ ብጸሎት ክትጅምሮን ክትዓጽዎን ትኽእል ኢኻ። አረ ገሊኦም ኣስፋሕትስ፡ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ይዝምሩ እዮም።
6. ተቓውሞ ምስ ዚለዓል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
6 ኣብ እዋን መጽናዕቲ ሓደ ሓሳብ ምስ ተነብበ ወይ ምስ ተገልጸ፡ ሓደ ኻብቶም ኣረጋውያን እንተ ተቓዊሙኸ፧ ብምስትውዓል መልሰሉ። (ቈሎ. 4:6) ምናልባት ነቲ ዜተሓሳስቦ ዘሎ ነገር ዚምልሰሉ ጥቕሲ መጽሓፍ ከተንብበሉ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ ንኽትገብር ዘይጥዕም እንተ ዀይኑ ግና፡ ሓሳባቱ ኣብ ግምት ከም ዘእተኻዮ ግለጸሉ እሞ ብድሕሪ እቲ መጽናዕቲ ነቲ ጕዳይ ንበይኑ ኸም እትምልሰሉ ግለጸሉ።
7. ሓደ ኻብቶም ኣረጋውያን ናይ ብሕቱ ሕቶ ምስ ዚሓትት ወይ ፍሉይ ተገዳስነት ምስ ዜርኢ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
7 ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ኻብቶም ኣረጋውያን ዝያዳ ፍልጠት ንኺረክብ ኢሉ ሕቶ ይሓትት ወይ ድሌቱ ይገልጽ ይኸውን። ሓንቲ ሓብቲ እዚ ዚስዕብ ኣቀራርባ እያ እትጥቀም፦ “ጽብቕቲ ሕቶ እያ። እዚ ግና ናይ ብሕትኺ ሕቶ ስለ ዝዀነ፡ ንባብና ኽሳዕ እንውድእ ንጸበ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ኣነን ንስኽን ሓቢርና ኽንመያየጠሉ ኢና።” መብዛሕትኡ ግዜ፡ ተገዳስነት ንዘርኣዩ ሰባት ኣብ ካልእ ግዜን ቦታን ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመርሓሎም መደብ ኪግበር ይከኣል እዩ።
8. እቲ ብጕጅለ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን እቲ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብኸመይ እዩ ኺጽብጸብ ዘለዎ፧
8 ነቲ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ብጕጅለ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑ ኣስፋሕቲ፡ እንተ ዘይተቐያየሩ ዝሓሸ እዩ። እቶም ኣብዚ እተኻፈሉ ዘበሉ ኣስፋሕቲ፡ ሰዓት ኪጽብጽቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ብጕጅለ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ኪካየድ እንተ ተጀሚሩ፡ እቲ ዚመርሕ ኣስፋሒ፡ ኣብ ዚመርሓሉ ዘበለ ሓደ ተመላሊስካ ምብጻሕ፡ ኣብ ወርሒ ኸኣ ሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጽብጽብ ይኽእል እዩ። ንሓደ ኺርዳእን ኪመሃርን ዚኽእል ኣረጋዊ ብደረጃ ውልቀ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተመሪሑሉ ድማ በቲ ንቡር መገዲ ይጽብጸብ።
9, 10. እቶም ብጕጅለ ንዚግበር መጽናዕቲ ዚመርሑ ኣሕዋት እንታይ ባህርያት እዮም ኬርእዩ ዘለዎም፧ ግለጽ።
9 ከም ዚቕጽል ምግባር፦ ነቲ ብጕጅለ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ ስሩዕ መዓልትን ሰዓትን ምምዳብ ዝሓሸ እዩ። እቶም ኣረጋውያንን ሰራሕተኛታትን እቲ መጽናዕቲ ብስሩዕ ኪካየድን ኣብ ምዱብ ሰዓት ኪጅምርን ኪድምደምን እዮም ዚደልዩ። (ማቴ. 5:37) ስለዚ፡ ቃልካ እትሕሉን ትጉህን ብስርዓት እተወደብካን ክትከውን የድሊ። ብተመክሮ ኸም እተራእየ፡ ነቲ ብጕጅለ ዚግበር መጽናዕቲ ኽልተ ብቑዓት ኣስፋሕቲ ብሓባር እንተ መርሕዎ ዝሓሸ እዩ። (መክ. 4:9, 10) ኣብ ዓበይቲ መናበዪ ኣረጋውያን፡ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ኼድልዩ ይኽእሉ እዮም።
10 ምቕሉል ምዃንን ብሕታዊ ተገዳስነት ምርኣይን እውን ኣገዳሲ እዩ። (ፊል. 2:4) ንፈለማ ኣብ እትበጽሓሉ እዋን፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብቲ መጽናዕቲ እተኻፈለ ኣረጋዊ ቐሪብካ ኸተዘራርቦ ፈትን። ስሞም ጽሓፎ እሞ ኣብ ዚቕጽል መጽናዕቲ ቕድሚ ምርኻብኩም ጽሑፍ ከይረኣኻ ኽትዝክሮ ፈትን። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ኣረጋውያን፡ ዘይፈልጦም ሰብ ብስሞም ኪጽውዖም ከሎ ደስ ኣይብሎምን እዩ። ብትዕግስትን ብርሕራሐን ግና ንዅሎም ባህ ከም ዚብሎም ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
11. እቶም ነቲ ብጕጅለ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑ ኣስፋሕቲ፡ ንሰራሕተኛታትን ንኣባላት ስድራ ቤት እቶም ኣረጋውያንን ኬኽብርዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
11 ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ንዘለዉ ሰራሕተኛታትን ንኣባላት ስድራ ቤት እቶም ኣረጋውያንን ኣኽብሮትን ለውሃትን ከተርእዮም እውን ኣገዳሲ እዩ። ብስሩዕ ኣገባብ መጽናዕቲ ምስ ጀመርካ፡ ምስ ሓላፊ ኸይተዘራረብካ ነቲ እተጽንዓሉ ሰዓት ኰነ ነቲ እተጽንዓሉ ጽሑፍ ዘይምቅይያሩ ጥበባዊ እዩ። ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ ርእይቶ ንኺህበካ ነቲ ሓላፊ በብግዜኡ ሕተቶ። ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ኣባላት ስድራ ቤት ኪበጽሑ እንተ መጺኦም፡ ክትረኽቦም ፈትን። ዕላማ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ምዃኑ ግለጸሎም። ንኣባላት ስድራ ቤቶም ካብ ልቢ ኸም እትግደሰሎም ኣረጋግጸሎም። ምሳኻትኩም ኮፍ ኪብሉን ኪሰምዑን ዓድሞም።
12, 13. ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ምስክርነት ምሃብ እንታይ ረብሓ ኸም ዘለዎ ዚገልጽ ተመክሮታት ኣዘንቱ።
12 ውጽኢት፦ ገየሽቲ ሓለውትን ጉባኤታትን ካብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ፡ ዜተባብዕ ውጽኢት ከም እተረኽበ ሓቢሮም እዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ 20 ዝዀኑ ኣረጋውያን ኣብ ናይ መጀመርታ ምይይጥ ተኻፊሎም እዮም። ድሕሪኡ፡ ሽዱሽተ ሰባት ብደረጃ ውልቀ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ። ሓንቲ ኻባታቶም ከኣ ተጠምቀት። ኣብ ካልእ መናበዪ ኣረጋውያን እተገብረ መጽናዕቲ ኸኣ ንሓንቲ 85 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣረጋዊት ምስ ጉባኤ ንኽትሓብርን ንጥምቀት ክትሓትትን ደሪኽዋ እዩ። ኣብ ሓደ መናበዪ ኣረጋውያን፡ እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብደረጃ ጕጅለ ዚመርሕዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚቋረጽ ኪገብርዎ ምስ ወሰኑ፡ እቶም ኣረጋውያን ናብቲ ሓላፊ ጠርዑ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ እቲ መጽናዕቲ እንደገና ተጀመረ፡ ካብኡ ንነጀው ካብ 25 ክሳዕ 30 ሰባት ይእከቡ ኣለዉ።
13 ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ንዘለዉ ሰባት እነርእዮ ፍቕሪ፡ ኣብቶም ኣረጋውያን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልኦት ሰባት እውን ጦብላሕታ የሕድር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዘለዉ ሰራሕተኛታት እውን ከይተረፈ ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ኾፍ ኢሎም ብምክትታል ሓሳብ ዚህቡሉ ኣጋጣሚታት ውሑድ ኣይኰነን። እቲ ነቶም ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ንዘለዉ ሰባት ተገዳስነት ንምርኣይ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ኣብቲ ሕብረተ ሰብ እውን ጽቡቕ ምስክርነት ይህብ እዩ። (1 ጴጥ. 2:12) ሓደ ኣመሓዳሪ ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ዕላማ ምስ ተነግሮ፡ “ክሳዕ ሕጂ ኣበይ ጸኒሕኩም፧ መዓስ ኢኹም እትጅምሩ፧” በለ። ካልእ ሓላፊ ኸኣ፡ “እዚ ብጕጅለ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ከባቢና ኣብ ዘሎ ዅሉ መናበዪ ኣረጋውያን ንኺግበር ካብ ልበይ እሰማማዓሉ እየ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ብናጻ ዚግበር ኣገልግሎት ከም ክፍሊ እቲ ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ገይሮም እዮም ዚርእይዎ” በለ። ኣብ ሃዋይ ዚርከብ ሓደ መናበዪ ኣረጋውያን፡ ወለንተኛታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ቦታ ንዚነብሩ ሰባት “ኣዝዩ ኽቡር መዝገብ” ከም ዚዀኑ ዚገልጽ ወረቐት ምስክር ወለንተኛ ሂቡና እዩ።
14. ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ንዘለዉ ሰባት ክንበጽሖም እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧
14 ኣረጋውያን ንየሆዋ ኺውድሱ ጻውዒት ቀሪቡሎም ኣሎ። (መዝ. 148:12, 13) እቲ ጻውዒት ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ንዘለዉ እውን ዚምልከት እዩ። ኣብ ክልኹም፡ ብስራት ብምስማዕ ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ኣረጋውያን ዚነብሩሉ መናበዪ ኣረጋውያን ኣሎዶ፧ ብሓገዝ ሽማግለታት ጉባኤን ሓለፍቲ እቲ መናበዪ ኣረጋውያንን፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ንዚነብሩ ሰባት ጽቡቕ ምስክርነት ክንህቦም ንኽእል ንኸውን። ብዕድመ ንዚደፍኡ ዘለዉ ሰባት ምስ እንዝክሮም፡ ንየሆዋ ኢና እንመስሎ።—መዝ. 71:9, 18።